ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባ ኣብዚ ኢኻ እትጸንሕ
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መቐበሊ ቦታታት ክትጸንሕ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ንቡር መቐበሊ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። በዚ ድማ ምናልባት ኣብ ሓደ ግዜያዊ መቐበሊ ንኽትጸንሕ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ እዋን ምምልካት ዘሎ ጻንሖትካ
እዚ ማእከላይ መቐበሊ ቦታ ይበሃል። ኣብ ኔዘርላንድ 1 ማእከላይ መቐበሊ ቦታ ጥራይ እዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከላይ መቐበሊ ናይ ተር ኣፐል እኹል ቦታ የለን። ስለዚ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምዝገባ ኣብ Zoutkamp ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መቐበሊ ትውሰድ። ኣብዚ ካብ 7 ክሳብ 10 መዓልታት ትጸንሕ። ምዝገባኻ ንምዝዛም ድማ ናብ ተር ኣፐል ከም እትምለስ ክግበር እዩ።
ድሕሪ ምምልካት ዘሎ ጻንሖትካ
ኣብ ፖሊስ (ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ መለለዪን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን፣ AVIM) ድሕሪ ምምዝጋብካ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ካልእ ቦታ ናብ ዝርከብ መቐበሊ ክትውሰድ ኢኻ። እዚ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ እትጸንሓሉ ቦታ እዩ። COA ኣድላዪ እንተኾይኑ ናብ
ብሰንኪ ጻዕቂ ሰብ ኣብ ንቡር መቐበሊ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ግዝያዊ መቐበሊ ክትውሰድ ኢኻ። ኣብቲ ግዝያዊ መቐበሊ ካብቲ ንቡር መቐበሊ ዝወሓደ መሳለጥያታት ኣሎ። ግዝያዊ መቐበሊ ቦታታት ክትቅይር ድማ ተኽእሎ ኣሎ።
ድሕሪ መስርሕ ዑቕባ ጻንሖትካ
ድሕሪ መስርሕ ዑቕባ ናብ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ (AZC) ክትከይድ ኢኻ። ናብ ሓደ AZC እትኸይድ፣ እንተድኣ፡
መንበሪ ፍቓድ ዝተቐበልካን መንበሪ ገዛ ንምርካብ ትጽበይ ዘለኻን ምስ እትኸውን። ምምሕዳር ከተማ ገዛ ክሳብ ዝረኽበልካ ድማ ኣብቲ መቐበሊ ንኽትጸንሕ መሰል ኣለካ።
ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) እንተሃሊኻ።
ንዘመልከትካዮ ዑቕባ IND ዝነጽጎ ምስ ዝኸውን። ኣብቲ AZC ገና ን28 መዓልታት ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።
ኣስተውዕል፡ ዕድሜኻ ካብ 13 ክሳብ 18 ዓመት ዝኾንካን ኣብ ኔዘርላንድ ወለዲ ወይ ኣለይቲ ዘይብልካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ ፍሉይ መቐበሊ ቆልዑት ክትከይድ ኢኻ። ዕድሜኻ ትሕቲ 13 ዓመት ዝኾንካን ኣብ ኔዘርላንድ ወለዲ ወይ ኣለይቲ ዘይብልካን ዲኻ? ስለዚ ናብ ናባዪ ስድራ ትኸይድ።
እዞም ውድባት ኣብቲ መዕቆቢ ይርከቡ
ኣብቲ መቐበሊ መብዛሕትኡ ግዜ