ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባ ኣብዚ ኢኻ እትጸንሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/3/2023 8:44 ቅ.ቀ.

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መቐበሊ ቦታታት ክትጸንሕ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ንቡር መቐበሊ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። በዚ ድማ ምናልባት ኣብ ሓደ ግዜያዊ መቐበሊ ንኽትጸንሕ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን ምምልካት ዘሎ ጻንሖትካ

እዚ ማእከላይ መቐበሊ ቦታ ይበሃል። ኣብ ኔዘርላንድ 1 ማእከላይ መቐበሊ ቦታ ጥራይ እዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከላይ መቐበሊ ናይ ተር ኣፐል እኹል ቦታ የለን። ስለዚ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምዝገባ ኣብ Zoutkamp ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መቐበሊ ትውሰድ። ኣብዚ ካብ 7 ክሳብ 10 መዓልታት ትጸንሕ። ምዝገባኻ ንምዝዛም ድማ ናብ ተር ኣፐል ከም እትምለስ ክግበር እዩ።

ድሕሪ ምምልካት ዘሎ ጻንሖትካ

ኣብ ፖሊስ (ክፍሊ ፖሊስ ወጻእተኛታት፣ መለለዪን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን፣ AVIM) ድሕሪ ምምዝጋብካ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ካልእ ቦታ ናብ ዝርከብ መቐበሊ ክትውሰድ ኢኻ። እዚ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ እትጸንሓሉ ቦታ እዩ። COA ኣድላዪ እንተኾይኑ ናብ

IND
ንምኻድ ዝኸውን መጓዓዝያ ከዋድድ እዩ። ካብን ናብን ዝተፈላለዩ መቐበሊ ቦታታት ኔዘርላንድ ክትግዕዝ ድማ ተኽእሎ ኣሎ። 

ብሰንኪ ጻዕቂ ሰብ ኣብ ንቡር መቐበሊ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ግዝያዊ መቐበሊ ክትውሰድ ኢኻ። ኣብቲ ግዝያዊ መቐበሊ ካብቲ ንቡር መቐበሊ ዝወሓደ መሳለጥያታት ኣሎ። ግዝያዊ መቐበሊ ቦታታት ክትቅይር ድማ ተኽእሎ ኣሎ።

ድሕሪ መስርሕ ዑቕባ ጻንሖትካ

ድሕሪ መስርሕ ዑቕባ ናብ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ (AZC) ክትከይድ ኢኻ። ናብ ሓደ AZC እትኸይድ፣ እንተድኣ፡

  • መንበሪ ፍቓድ ዝተቐበልካን መንበሪ ገዛ ንምርካብ ትጽበይ ዘለኻን ምስ እትኸውን። ምምሕዳር ከተማ ገዛ ክሳብ ዝረኽበልካ ድማ ኣብቲ መቐበሊ ንኽትጸንሕ መሰል ኣለካ።

  • ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) እንተሃሊኻ።

  • ንዘመልከትካዮ ዑቕባ IND ዝነጽጎ ምስ ዝኸውን። ኣብቲ AZC ገና ን28 መዓልታት ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ ዕድሜኻ ካብ 13 ክሳብ 18 ዓመት ዝኾንካን ኣብ ኔዘርላንድ ወለዲ ወይ ኣለይቲ ዘይብልካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ ፍሉይ መቐበሊ ቆልዑት ክትከይድ ኢኻ። ዕድሜኻ ትሕቲ 13 ዓመት ዝኾንካን ኣብ ኔዘርላንድ ወለዲ ወይ ኣለይቲ ዘይብልካን ዲኻ? ስለዚ ናብ ናባዪ ስድራ ትኸይድ።

Nidos
ድማ ናባዪ ስድራ ከዋድደልካ እዩ።

እዞም ውድባት ኣብቲ መዕቆቢ ይርከቡ

ኣብቲ መቐበሊ መብዛሕትኡ ግዜ

COA
Trigion
GZA
ከምኡ እውን
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ይርከቡ እዮም። ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ቦታታት ሓደ ሓደ ግዜ ልክዕ ከምቲ ኣብ ንቡር መቐበሊ ቦታታት ዝርከቡ ውድባት የለዉን።