ምንጪ፡ ANP
ዓንቀጽ

ብዛዕባ መዕቆቢ ናይ COA እንተድኣ ዘይዓገብካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/30/2024 1:51 ድ.ቀ.

ብዛዕባ እቲ ትሓድረሉ ዘለኻ መዕቆቢ ኣይዓገብካን ዲኻ? ስለዚ ምስ COA ወይ ምስ ምምሕዳር ከተማ ክትዘራረብ፣ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትቃወም ትኽእል ኢኻ።

COA ወይ ምምሕዳር ከተማ እዩ መዕቆቢኻ ዘዋድደልካ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ እንተድኣ ኣመልኪትካ ወይ ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣

መጽለሊ ከም እትረክብ ከረጋግጽ ኣለዎ። እዚ ዕማም ንCOA ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ እዩ ተዋሂብዎ። እቲ መዕቆቢ ከማልኦም ዘለዎ ረቛሒታት ብዝምልከት እውን ስምምዓት ተገይሩ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ኩሎም መዕቆቢታት ናይ COA ኣይኮኑን። ሓደ ሓደ ግዜ ምምሕዳር ከተማ እዩ ሓላፍነት ዝወስድ።

ኣብ መዕቆቢ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዘይምዕጋብ

ኣብ ሓደ መዕቆቢ ቦታ ዘሎ ኩነታት ዘይጽቡቕ ኮይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ሕማቕ ኩነታት ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • እቲ መዕቆቢ ንኽትቕመጠሉ ዘይምችእ እዩ። ኣዝዩ ቆራሪ፣ ረሳሕ ወይ ውሑድ ብሕትና ዘለዎ እዩ።

  • ብቕዓት ናይቲ ኣብ መዕቆቢ ዝርከብ መግቢ ጽቡቕ ኣይኮነን

  • ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝኸውን ትምህርቲ የለን

  • ኣብ መዕቆቢ ዝኻየዱ ንጥፈታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም

  • እቲ ቦታ ብሰንኪ ሕክምናዊ ጸገማት ንዓኻ ዝሰማማዕ ኣይኮነን።

  • ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ሓደ መዕቆቢ ኣይኮንካን ዘለኻ።

ምስ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቦታ ተዘራረብ

ብሓደ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ብዛዕባ መዕቆቢኻ ኣይዓገብካን ዲኻ? ወይ ብዛዕባ ካልእ ነገር? ስለዚ መጀመርታ ምስ ሓደ ኣብ መዕቆቢኻ ዝርከብ ኣባል ሰራሕተኛ ወይ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መዕቆቢ ብዛዕባ ዘጋጥመካ ጸገማት ክትዘራረብ ከም እትደልይ ድማ ሓብር። ነዚ ዝርርብ ንምግባር ክትዳለው ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ነቶም ጸገማት ነቲ ዝርርብ ንክኾነካ ዘርዚርካ ብምጽሓፍ፡

  • እቲ ጸገም እንታይ እዩ።

  • እዚ ካብ መዓስ ጀሚሩ እዩ ኣጋጢሙካ።

  • እዚ ኣባኻ ወይ ኣብ ስድራ-ቤትካ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ።

ብዛዕባ ናይ መፍትሒ ተኽእሎታት ሓሳባት እንተሃልዩካ፣ ኣብቲ ዝርርብ ክትማልኦ እውን ትኽእል ኢኻ።

ምስ ካልኦት ነበርቲ ብሓባር ብምዃን ቤት-ምኽሪ ነበርቲ ክትምስርት ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ሕተት። ቤት-ምኽሪ ነበርቲ ምስ COA ብሓባር ብምዃን ኣብቲ መዕቆቢ ምቕማጥ ንምምሕያሽ መፍትሒታት ዘናድይ ጉጅለ ነበርቲ እዩ። ቤት-ምኽሪ ነበርቲ ኣብቲ መዕቆቢ ናይ ዝነብር ነፍስወከፍ ሰብ ጸገማት ይእክብ። ቤት-ምኽሪ ነበርቲ ኣብ 2 ሳምንታት ወይ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ምስ COA ይራኸብ። ብሓባር ብምዃን ድማ ፍታሕ የናድዩ። ንኣብነት ኣብቲ መዕቆቢ ክጽገን ዘለዎ ገለ ዝተሰብረ ነገር ምስ ዝህሉው።

ብቕዓት ናይቲ መግቢ ጽቡቕ ኣይኮነን ድዩ?

ነበርቲ ናይ ገዛእ-ርእሶም መግቢ ክኽሽኑ ዝኽእሉ ብምዃኖምን ዘይምዃኖምን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ምስ ብጾት ነበርቲ ብሓባር ብምዃን ብመንገዲ ናይ ምኽሻን ሰሌዳ-ግዜ ክግበር ይከኣል። ኣብ ገሊኦም መዕቆቢ ቦታታት፣ ነበርቲ ንገለ ክፋል ናይ መግቦም (ንኣብነት ቁርስን ምሳሕን) ባዕሎም ከዳልዉ ይኽእሉ እዮም። ክሽነ የለን ድዩ? ባዕልኻ ንኽትክሽን ምእንቲ ተንቀሳቓሲ ክሽነታት ንምውዳድ ዝከኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን ንCOA ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዛውድብሩክ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ፣ ነበርቲ ነዚ ምስ COA ብሓባር ብምዃን ኣዋዲዶም ነይሮም እዮም። እዚ ድማ ነበርቲ በቲ መግቢ ዘለዎም ዘይዕግበት ድሕሪ ምግላጾም እዩ።

ኣብቲ መዕቆቢ ተወሰኽቲ ንጥፈታት ክህልዉ ዝኽእሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንስኻን ካልኦት ነበርትን ነቲ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ክትሕግዙ ከም እትደልዩ እውን ክትነግር ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት ኣብ ውሽጢ እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስ ዝርከባ ውድባት ብሓባር ክግበር ይከኣል እዩ። ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ፣ ነበርቲ ምስ ውድብ ኦፐንኤምባሲ -OpenEmbassy- ብሓባር ብምዃን ንጎረባብቲ ድራር ኣዳልዮም። ብኸምዚ ድማ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ምስ ዝመጹ ጎረባብቲ ተላልዮም።

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎም። እዚ ኣብ መምርሒ ናይ መዕቆቢ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ መዕቆቢ ትምህርቲ እንተድኣ ዘየለ ኮይኑ ድማ መሰሎም ምግሃስ እዩ። ስለዚ ቆልዑት ትምህርትን፣ ከም በዓል ናይ ውሽጢን ናይ ደገን መጻወቲ ቦታታት ዝኣመሰሉ ካልኦት መሳለጥያታትን ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎም ግለጽ። ነዚ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ንዝርከብ ሰራሕተኛ ናይ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) እውን ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። 

ጥርዓን ምቕራብ

ምስ COA ወይ ምምሕዳር ከተማ ንኽትዘራረብ ኣይከኣልካን ዲኻ? ወይ እቲ ዝተዘራረብካዮ ኣብቲ መዕቆቢ ንምቕማጥካ ኣየመሓየሾን ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እቲ መዕቆቢ ኣንጻር COA ወይ ምምሕዳር ከተማ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ጥርዓን ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ COA ጥርዓን ምቕራብ

ብኽልተ ኣገባባት ናብ COA ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ፡

  • ነዚ ንምግባር ናይ COA ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። መስርሕ ጥርዓን ናይ COA ብዛዕባ ነበርቲ ንዝቐርቡ ጥርዓናት ዝዓለመ ኣይኮነን። ብዛዕብኡ ኣብቲ ቦታ ምስ ዝርከብ ሰራሕተኛ ናይ COA ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ናይ ጥርዓን ቅጥዒ COA

ኣብዚ ናይ COA ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ክትረክብ ኢኻ። ነቲ ደብዳቤ ድማ ናብ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዘለኻዮ ቦታ ወይ ናብ ክፍሊ ሕጋዊ ጉዳያት ናይ COA ተረክቦ።

  • ብተወሳኺ ብደብዳቤ እውን ናብ COA ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ደብዳቤኻ ወይ ኢ-መይልካ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ እንግሊዝኛ ክጽሓፍ ኣለዎ። ንደብዳቤኻ ወይ ኢ-መይልካ ድማ ናብዚ ዝስዕብ ትልእኮ፤ Team Juridische zaken Postbus 30203 2500 GE Den Haag info@coa.nl

ናብ ምምሕዳር ከተማ ጥርዓን ምቕራብ

መዕቆቢኻ ብCOA ዘይኮነስ ብምምሕዳር ከተማ ድዩ ዝመሓደር? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ጥርዓን ከተቕርብ ኣለካ። ከመይ ገይርካ ጥርዓን ከተቕርብ ከም እትኽእል ድማ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ እዩ ዝምርኮስ። ሓደ ሓደ ግዜ ንምምሕዳር ከተማ ብኸመይ ክትረኽቦ ከም እትኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብቲ መዕቆቢ ቦታ ክትረክብ ኢኻ።

መወከሲ ሓበሬታታት ናይ ምምሕዳራት ከተማ

እዚ መርበብ-ሓበሬታ እዚ፣ ዝርዝር መወከሲ ሓበሬታታት ናይ ኩሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ምምሕዳራት ከተማ ዝሓዘ እዩ። ስም ናይቲ መዕቆቢኻ ዝርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ኣብዚ ድለዮ። ነቲ ምምሕዳር ከተማ ድማ ብኢ-መይል፣ ብፖስታ ወይ ብተሌፎን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ እንግሊዝኛ ጥራይ ኢኻ ርክብ ክትገብር እትኽእል።

ጥርዓንካ ብCOA ወይ ምምሕዳር ከተማ ብግቡእ ኣይተፈትሐን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ጥርዓንካ ድሕሪ ምቕራብካ ነዚ ኣብ ውሽጢ 1 ዓመት ናብ ሃገራዊ ተሓላቕ-ፍትሒ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ጥርዓንካ ናብ ሃገራዊ ተሓላቕ-ፍትሒ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ጥራይ ኢኻ ከተቕርብ እትኽእል። ሰራሕተኛታት ናይ ሃገራዊ ተሓላቕ-ፍትሒ ድማ እንታይ ክገብሩልካ ከም ዝኽእሉ ክርእዩ እዮም። ናብቲ ቅኑዕ ኣድራሻ ድማ የመሓላልፉኻ። ወይ ድማ ንጥርዓንካ ብምምርማር ይሕግዙኻ።

ጥርዓንካ ብኢንተርነት ናብ ሃገራዊ ተሓላቕ-ፍትሒ ምቕራብ
ጥርዓንካ ነዚ ቅጥዒ ተጠቒምካ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ብኢንተርነት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ሃገራዊ ተሓላቕ-ፍትሒ ርክብ ምግባር
ኣብዚ ገጽ እዚ ምስ ሃገራዊ ተሓላቕ-ፍትሒ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ መዕቆቢ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር

ብዛዕባ እዚ መዕቆቢ እንተድኣ ዘይዓጊብካ ክትቃወም እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ መሰል ተቓውሞ ኣብ ቅዋም ኔዘርላንድ ተሰኒዱ ይርከብ። እዚ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ተፈጻምነት ዘለዎ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽ መሰል እዩ ዝምደብ። ገና ናይ 5 ዓመት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተኾንካ እውን ተቓውሞ ከተስምዕ ትኽእል ኢኻ።

ተቓውሞ ከተስምዕ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እዞም ነጥብታት ንዓኻ ኣገደስቲ እዮም፡

  • ተቓውሞ ከተስምዕ ምዃንካ ንምምሕዳር ከተማ ክትነግሮ ኣለካ። ነዚ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ቅድሚ 48 ሰዓታት ግበሮ። ማለት እቲ ምምሕዳር ከተማ ንተቓውሞኻ ደገፍ ክገብረሉ ኣለዎ። ንኣብነት ንተቓውሞኻ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ እንተድኣ ዘድልየካ ኮይኑ፣ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ከዋድደልካ ኣለዎ። በይንኻ ንውልቕኻ ተቓውሞ ክትገብር እንተድኣ ኮይንካ ነዚ ምሕባር ኣየድልየካን እዩ።

  • ተቓውሞ ንኸተስምዕ ፍቓድ ኣየድልየካን እዩ። ካብ መንግስቲ እውን ፍቓድ ኣየድልየካን እዩ። 

  • ፖሊስ ንተቓውሞኻ ስቕ ኢሎም ክብትንዎ ኣይክእሉን እዮም። ከንቲባ ናይ ምምሕዳር ከተማ ጥራይ እዩ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞኻ ገደብ ክገብር ወይ ክእግዶ ዝኽእል።

  • ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እትገብሩሉ እዋን ፖሊስ ካብ ህዝቢ ክከላኸለልካ ኣለዎ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር