ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/3/2023 3:08 ድ.ቀ.

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምምስራሕ ዝያዳ ግዜ የድልዮ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ትኸይድ። ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ድማ IND ናብ VA ክትከይድ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክውስን እዩ። እቲ VA ንገለ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ክጸንሕ ድማ ይኽእል እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ናብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ትኣቱው፡

  • IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምውሳን ዝያዳ ግዜ ዘድልዮ ምስ ዝኸውን። ንኣብነት

    IND
    ዝያዳ መርመራ ክገብር ስለ ዘለዎ።

  • ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ንግዚኡ ዘየለ ምስ ዝኸውን።

  • ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ VA እውን ዘለዉ ኣባላት-ስድራ-ቤት ምስ ዝህልዉኻ።

  • ንመመልከቲኻ ንምምስራሕ እኹል ተመኩሮ ዘለዎ ሰራሕተኛ ናይ IND ንግዚኡ ዘየለ ምስ ዝኸውን።

  • ሓሚምካ ዘለኻን መጀመርታ ክትሓውይ ዘለካን ምስ እትኸውን።

IND ንዓኻ ዝኸውን ተወሳኺ ሕቶታት እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ፣ ኣብ እዋን ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይ IND ክትመጽእ ኣየድልየካን እዩ። IND ተወሰኽቲ ሕቶታት ክሓትት እንተድኣ ደልዩ ምሳኻ ርክብ ክገብር እዩ። ኣብ እዋን ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ፣ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ብነጻ ክትረክብ ኢኻ።

IND ኣብ ውሽጢ 21 ኣዋርሕ ክውስን ኣለዎ

IND ናይ ዑቕባ መመልከቲ ድሕሪ ምቕረብካ ኣብ ውሽጢ 21 ኣዋርሕ ክውስን ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ IND undefinedናይ ውሳኔ ገደብ-ግዜundefined ይበሃል።

1ይ ውሳኔ ናይ IND

IND ኣብቶም ቃለ-መሕትታት፣ ሰነዳትካን ካልኦት መርትዖታትን ምርኲስ ብምግባር ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ 1ይ ውሳኔ ክህብ እዩ። እዚ undefinedክውሰድ ዝተሓሰበ ውሳኔundefined ይበሃል። 2 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡

  1. IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ፡ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳቤ ክመጸካ እዩ። ብድሕሪኡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። መንበሪ ፍቓድካ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ተሳሒቡ ክስረዝ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት መበቆል ሃገርካ መሊሱ ንምንባር ውሑስ ኣብ ዝኾነሉ እዋን። ሓቂ ዘይነገርካ ምስ እትኸውን እውን ናይ መንበሪ ፍቓድካ ተሳሒቡ ክስረዝ ይኽእል እዩ።

  2. IND ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ኣለዎ፡ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ከምዘለዎ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ undefinedክውሰድ ዝተሓሰበ ምንጻግundefined ይበሃል። ኣብዚ ደብዳቤ፣ ምኽንያታት ምንጻግን ከምኡ እውን እዚ ኣባኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ተጠቒሱ ይርከብ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እትህቦ መልሲ

ብዛዕባ እቲ ናይ IND ደብዳቤ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ጠበቓኻ ብደብዳቤ ንIND መልሲ ንኽህብ ድማ 1 መዓልቲ ኣለዎ። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ድሕሪ ምንባብ፣ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ ዘኸትሎ ሳዕቤናት

ድሕሪ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ፣ ከምኡ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ።

ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)
ድማ ብዛዕባ ምምላስካ ብዝምልከት ምሳኻ ክዘራረብ እዩ።