ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ መቐበሊ ቦታ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ብድሕሪ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሉ እንከሎ

ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 4:19 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምምስራሕ ዝያዳ ግዜ የድልዮ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ትኸይድ። ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ድማ IND ናብ VA ክትከይድ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክውስን እዩ። እቲ VA ንገለ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ክጸንሕ ድማ ይኽእል እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ናብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ትኣቱው፡

  • IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምውሳን ዝያዳ ግዜ ዘድልዮ ምስ ዝኸውን። ንኣብነት

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    IND
    ዝያዳ መርመራ ክገብር ስለ ዘለዎ።

  • ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ንግዚኡ ዘየለ ምስ ዝኸውን።

  • ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ VA እውን ዘለዉ ኣባላት-ስድራ-ቤት ምስ ዝህልዉኻ።

  • ንመመልከቲኻ ንምምስራሕ እኹል ተመኩሮ ዘለዎ ሰራሕተኛ ናይ IND ንግዚኡ ዘየለ ምስ ዝኸውን።

  • ሓሚምካ ዘለኻን መጀመርታ ክትሓውይ ዘለካን ምስ እትኸውን።

IND ንዓኻ ዝኸውን ተወሳኺ ሕቶታት እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ፣ ኣብ እዋን ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይ IND ክትመጽእ ኣየድልየካን እዩ። IND ተወሰኽቲ ሕቶታት ክሓትት እንተድኣ ደልዩ ምሳኻ ርክብ ክገብር እዩ። ኣብ እዋን ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ፣ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ብነጻ ክትረክብ ኢኻ።

IND ኣብ ውሽጢ 21 ኣዋርሕ ክውስን ኣለዎ

IND ናይ ዑቕባ መመልከቲ ድሕሪ ምቕረብካ ኣብ ውሽጢ 21 ኣዋርሕ ክውስን ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ IND 'ናይ ውሳኔ ገደብ-ግዜ' ይበሃል።

1ይ ውሳኔ ናይ IND

IND ኣብቶም ቃለ-መሕትታት፣ ሰነዳትካን ካልኦት መርትዖታትን ምርኲስ ብምግባር ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ 1ይ ውሳኔ ክህብ እዩ። 2 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡

  1. IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ፡ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ ካብቲ ብመንገዲ 

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ቅጥዒ-M35-H
    ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካሉ ዕለት ጀሚሩ ን5 ዓመት ዘገልግል እዩ። ብድሕሪኡ 

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ
     ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

  2. IND ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ኣለዎ፡ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ውጥን ከምዘለዎ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ 'voornemen' ማለት ክውሰድ ዝተሓሰበ ውሳኔ ይበሃል። ኣብዚ ደብዳቤ፣ ምኽንያታት ምንጻግን ከምኡ እውን እዚ ኣባኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ተጠቒሱ ይርከብ። 

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እትህቦ መልሲ

ብዛዕባ እቲ ናይ IND ደብዳቤ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቑባ፣ ጠበቓኻ ብደብዳቤ ንIND መልሲ ንኽህብ 4 መዓልቲ ኣለዎ። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ። IND ነቲ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ ድሕሪ ምንባብ፣ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ።

IND ናይ መወዳእታ ውሳኔ ይወስድ

IND ብመሰረት እቲ ርእይቶ እቲ 1ይ ውሳኔ ክስተኻኸል ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። ድሕሪኡ IND ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወስድ እዩ። እዚ ድማ 'beschikking' ማለት ውሳኔ ይበሃል። IND ሕጂ እውን ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር IND ድሕሪ እቲ ርእይቶ ነቲ ዘመልክትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ እውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ IND ናይ ጠበቓ ርእይቶ ድሕሪ ምቕባሉ ዝያዳ ግዜ የድልዮ እዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ንመመልከቲኻ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ከመስርሖ እዩ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ ዘኸትሎ ሳዕቤናት

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ነጺጉዎ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ፣ ከምኡ እውን ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)
ድማ ብዛዕባ ምምላስካ ብዝምልከት ምሳኻ ክዘራረብ እዩ። 

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?