መስርሕ ዕቚባ
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣብ እተመልክተሉ እዋን፣ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ መሰል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ። ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ፣ ናይ ምጽባይ ግዜን፣ ዘለካ መሰላትን ብዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ቀንዲ ነጥቢታት
.

ኣብ Ter Apel ምምዝጋብ
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል መመልከቲ ክትከይድ ኣለካ። ኣብኡ ዑቕባ ክትሓትትን ምስ ፖሊስ ኔዘርላንድ ክትዘራረብን ትኽእል ኢኻ።

ምስ IND ዝግበር 1ይ ቃለ-መሕትት
ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። ኣብዚ ቃለ-መሕትት IND ብዛዕባኻን ናብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ምህዳምን ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ንቃለ-መሕትት ብኸመይ ከም እትዳሎው ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ።

ምስ IND ዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት
ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) 2ይ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። እዚ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣገዳሲ ዝኾነ ቃለ-መሕትት እዩ። ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ድማ ብዝርዝር ትገልጽ። ጠበቓን ሕክምናዊ መርመራን ድማ ክትረክብ ኢኻ።
ካልኦት ዓንቀጻት
.

ቅድመ-ኩነታት ናይ መንበሪ ፍቓድ
ነቶም ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ኣማሊእካ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክግምግሞ እዩ። ንምንታይ ዑቕባ ትሓትት ከም ዘለኻ ብኸመይ ብግቡእ ከም እትገልጽ ኣብዚ ኣንብብ።

ምስ IND ንዝግበር 2ይ ቃለ-መሕትት ምጽባይ
ድሕሪ እቲ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ዝግበር 1ይ ቃለ-መሕትት፣ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምግባር ክትጽበይ ኣለካ። ነቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ንምድላው ተጠቐመሉ። እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ብማእከላይ ገምጋም ልዕሊ 1 ዓመት እዩ።

ሰነዳት ናብ IND ምርካብ
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ፣ ሰነዳት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ተረክብ። እዞም ሰነዳት እዚኦም ነቲ ናይ ህድማ ታሪኽካ ዘረጋግጹ እዮም። ኣየኖት ሰነዳት ከተረክብ ከም ዘለካን ብኸመይ ከም እትሰዶምን ኣንብብ።

IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ይውስን
ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ውሳኔ ክህብ እዩ። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ ወይ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ንIND ዝያዳ ግዜ ዘድልዮ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ኣብዚ ዝያዳ ኣንብብ።

ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል
ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ነጺግዎ ኣሎ። ምስዚ ምንጻግ ዘይተሰማማዕ ምስ እትኸውን እንታይ ክትገብር ትኽእል? ብዛዕባ ናብ ናይ ኔዘርላንድ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ምባል ኣብዚ ኣንብብ።

መስርሕ ዱብሊን
ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ ፖሊስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከም ዝተመዝገብካ ይርእይ። ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ድማ ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ከተመስርሖ ኣለዋ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኸኣ ናብ መስርሕ ዱብሊን ንኽትኣቱው ይውስን።

ውሑስ መበቆል ሃገር
ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ካብ ውሕስቲ ዝኾነት ሃገር እንተድኣ ኮይንካ መጺእኻ፣ ሕቶ ዑቕባኻ ብዝቐልጠፈ ኣገባብ ክምስራሕ እዩ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኔዘርላንድ (IND) ንሕቶ ዑቕባኻ ንኽነጽጎ ድማ ዓቢይ ዕድል ኣሎ።

ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምምስራሕ ዝያዳ ግዜ የድልዮ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ትኸይድ። ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ድማ IND ናብ VA ክትከይድ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክውስን እዩ። እቲ VA ንገለ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ክጸንሕ ድማ ይኽእል እዩ።