
ብነፋሪት ምምጻእ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ናብ ኔዘርላንድ ብነፋሪት መጺእካ። ዑቕባ ንምርካብ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እንተድኣ ኣመልኪትካ፣ ውሳኔ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል [Schiphol] ኣብ ዝርከብ ዕጹው መቐበሊ ማእከል ኮይንካ ክትጽበይ ኣለካ። ኣብዚ እንተበዝሐ ን28 መዓልታት ክትጸንሕ ኢኻ።
ስጉምቲ 1፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምምጻእ
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል -Schiphol- ድሕሪ ምምጻእካ፣ ናብ
ስጉምቲ 2፡ ኣብ KMar ምምዝጋብ
KMar ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታኻ ይምዝግብ። ከም በዓል ስምካ፣ ዕለት ልደትካን ዜግነትካን ዝኣመሰሉ።
KMar ካባኻ ስእሊታት ይወስድ፣ ከምኡ እውን ኣሰር ኣጻብዕትኻ ይወስድ።
KMar ንክዳውንትኻን ንሻንጣኻን ይፍትሽ፣ ከምኡ እውን ምናልባት ንተሌፎንካ ካባኻ ክወስዳ ይኽእል። KMar ሰነዳት ካባኻ እንተድኣ ወሲዱ ብወረቐት መረጋገጺ ክትቕበል ኢኻ።
KMar ብዛዕባ መንገዲ መገሻኻ፣ ወይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ወይ ኣብዚ ስድራ-ቤት ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ሕቶታት ክሓተካ እዩ።
ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ድማ ኣብ KMar ትፍርም።
ስጉምቲ 3፡ ምስ IND ዝግበር ቀዳማይ ቃለ-መሕትት
ምስ
ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትዛረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ንኽንደይ ዝኸውን ግዜ ናብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝኸድካን፣ መዓስ ከም ዝሃደምካን ብዝምልከት። ወይ ብዛዕባ ካልኦት ኣብ ህይወትካ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዕለታት ብዝምልከት።
ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ክትዛረብ ኣገዳሲ እዩ። ድሒርካ ናይ ምውህሃድ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ድሮ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ሓበሬታ ሂብካ ዘለኻ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።
ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ቃለ-መሕትታት መዘኻኸሪ ጽሑፋት ሒዝካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ድማ ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዕለት እንተድኣ ዘይትፈልጦ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር።
ኣብ እዋን ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ
ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ካብ መበቆል ሃገርካ ዝመጽአ ኮይኑ ገለልተኛ እዩ፣ ኣብ IND ዝሰርሕ እውን ኣይኮነን፣ ከምኡ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝውሰድ ውሳኔ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ የብሉን። ኣተርጎምቲ ኣዝዩ ስራሕ ስለ ዝጽዕቆም ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም ብቀጥታ ንገር። ምኽንያቱ እቲ ኣተርጓሚን ንስኻን ጽቡቕ ገይርኩም ክትረዳድኡ ብሰንኪ ዘይምኽኣልኩም ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ ስለዝኾነ።
ኣብ እዋን ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት፣ ብላህጃኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትሓትትን ከማኻ ጾታ ዘለዎ ኣተርጓሚ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።
ስጉምቲ 4፡ ኣብ ዕጹው መቐበሊ ቦታ ምጽባይ
ድሕሪ ምምዝጋብካ ናብ ፍሉይ ማእከል መቀየዲ ወጻእተኛታት ዜጋታት ክትውሰድ ኢኻ። እዚ ማእከል እዚ Justitieel Complex Schiphol (JCS) ተባሂሉ ይጽዋዕ። መስርሕካ ክሳብ ዝውዳእ ድማ ካብ JCS ብፍቓድካ ክትወጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ JCS እንተበዝሐ ን28 መዓልታት ክትጸንሕ ኢኻ። ተኣፈፍቲ ሰባት ኣብ JCS ኣይቕመጡን እዮም።
ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ተወሳኺ መርመራ ምግባር የድልይ እዩ
ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባኻ ንምውሳን ዝያዳ መርመራ ምግባር እንተድኣ ኣድልዩ፣ እቲ መስርሕ ልዕሊ 28 መዓልታት ክወስድ እዩ። ስለዚ ናብ ሓደ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ክፉት መቐበሊ ቦታ ክትከይድ ኢኻ።
ኣብቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ከምዚ እዩ ዘጋጥም
ኣብቲ ምስ IND 2ይ ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ናይ ምጽባይ ግዜ ከተዕርፍን ክትዳለውን ትኽእል ኢኻ።
1. ኣብ እዋን እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ፣ ንመንነትካን ናይ ህድማ ታሪኽካን ዝድግፉ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰነዳት ምእካብ ኣገዳሲ እዩ።
2. ካብ
3. ኣብ እዋን ናይ ምጽባይ ግዜ ምናልባት መርመራ ሕማም ዓባይ ሰዓል ክግበረልካ ይኽእል እዩ። ሕማም ዓባይ ሰዓል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ድማ ነርስ ትምርምረካ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን እታ ነርስ ናይ ሳንቡእካ ራጂ ክትወስድ እያ። ሕማም ዓባይ ሰዓል ምስ ዝህልወካ ድማ ነዚ ዝኸውን መድሃኒት ክወሃበካ እዩ።