ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Vrouw kijkt uit vliegtuigraam

ምንጪ፡ Jason Toevs

ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/11/2023 8:22 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዘመልከትካዮ ዑቕባ ተነጺጉ

እንተድኣ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንዘምልከትካዮ ዑቕባ ነጺጉዎ፣ መንግስታዊ ውድብ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)
ናብ መበቆል ሃገርካ ብዛዕባ ምብጋስ ብዝምልከት ምሳኻ ርክብ ክገብር እዩ። እዚ ማለት ድማ ብቕጽበት ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ ማለት ኣይኮነን።

ጠበቓኻ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ክብል ድዩ? መብዛሕትኡ ግዜ ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበይ ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ደገፍ

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ብምሃብ ነጺግዎ ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ድማ 'beschikking' ይበሃል።

እዚ ማለት መንግስቲ ኔዘርላንድ ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ጠለብ ይገብር ማለት እዩ። ንኽትምለስ እንተድኣ መሪጽካ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ደገፍ እዚ ፍርያት፣ ኣገልግሎት ወይ ፋይናንሳዊ ኣበርክቶ ዝሓዘ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፣ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ድኳን ንምጅማር ዝኸውን መበገሲ ገንዘብ ን/ወይ ሓገዝ ኣብ ምጽሓፍ ውጥን ንግዲ።

እዘን ውድባት ክድግፋኻ ይኽእላ እየን፡

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    VluchtelingenWerk Nederland (VWN)

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM)

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V)

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    Solid Road

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    Stichting ROS

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    GoedWerk Foundation

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    Stichting WereldWijd

ደገፍ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ እንታይ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለካን ኣብ ውልቃዊ ኩነትካ ዝምርኮስ እዩ። ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ብዛዕባ እዚ ክድግፈካ ይኽእል እዩ።

እዚ ቪድዮ VWN ብኸመይ ናይ ምምላስ ደገፍ ከም ዝህብ ዝገልጽ እዩ፡

ውሑስ ዘይኮነ

VWN ንገሊአን ሃገራት ክትምለሰለን ውሑሳት ከም ዘይኮና ይቖጽረን እዩ፣ ስለዚ ድማ ኣብ ምምላስካ ደገፍ ኣይህብን እዩ። ይኹን እምበር VWN ናብተን ሃገራት ኣብ ምምላስ ናብ ዝሕግዙ ውድባት ንኽትውከስ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ።

ውሑድ ደገፍ ወይ ደገፍ የለን

ናብ መበቆል ሃገርካ ብኣስገዳድ እንተድኣ ተመሊስካ፣ ናይ ዳግመ-ውህደት ደገፍ ንኽትረክብ ዘለዉ ተኽእሎታት ድሩት እዩ። ኣብ ገሊኦም ኩነታት ናይ ዳግመ-ውህደት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ደገፍ እንተበዝሐ ናይ € 1,000 ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ን/ወይ ሓገዝ ዝሓዘ እዩ።

መበቆል ሃገራት

ኣብ ታሕቲ በብመበቆል ሃገር ብዛዕባ ምምላስ ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ፡

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?