ተገዲድካ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ
ናብ መበቆል ሃገርካ ባዕልኻ እንተድኣ ዘይተመሊስካ፣ መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣገዲዱ ክመልሰካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ዘመልከትካዮ ዑቕባ ተነጺጉ
እንተድኣ
ጠበቓኻ ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ክብል ድዩ? መብዛሕትኡ ግዜ ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጽበይ ትኽእል ኢኻ።
ባዕልኻ ምምላስ
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ብምሃብ ነጺግዎ ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ድማ undefinedbeschikkingundefined ይበሃል።
እዚ ማለት መንግስቲ ኔዘርላንድ ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ጠለብ ይገብር ማለት እዩ። ንኽትምለስ እንተድኣ መሪጽካ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ብግዴታ ምምላስ
ናብ መበቆል ሃገርካ ንምምላስ ምትሕብባር ዘይምግባር ዲኻ እትመርጽ? ከምኡ ምስ ዝኸውን መንግስቲ ኔዘርላንድ ምስ ተበገስካ እንደገና እትቕበሎ ዋሕስ ገንዘብ ንኸተንብር ክብይነልካ ይኽእል እዩ።
መንግስቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ውጥን ኣለካ ኢሉ ምስ ዝሓስብ፣ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ወጻእተኛታት ከም እትኣቱው ክግበር ይከኣል እዩ። እዚ ማለት ናብ መበቆል ሃገርካ ተገዲድካ ክሳብ እትውሰድ ኣብ ሓደ ዓይነት ቤት-ማእሰርቲ ክትጸንሕ ኣለካ ማለት እዩ።
እቲ ጉዕዞ
መብዛሕትኡ ግዜ ተገዲድካ ምብጋስ ብስሩዓት በረራታት ብነፋሪት እዩ ዝፍጸም። ሓደ ሓደ ግዜ ነዚ ዝኸውን ፍሉይ በረራ ይዋደድ እዩ። ንኣብነት ብዙሓት ካብ ሓንቲ ሃገር ዝመጹ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ናብ መበቆል ሃገሮም ዝምለሱ ምስ ዝኾኑ።
ኣንጻር እቲ ምስጓግ ተቓውሞ ከም እትገብር ዘርእዩ ምልክታት እንተድኣ ሃልዮም፣ ሰራሕተኛታት ናይ
ውሑድ ደገፍ ወይ ደገፍ የለን
ናብ መበቆል ሃገርካ ተገዲድካ እንተድኣ ኮይንካ ተመሊስካ፣ ናይ ዳግመ-ውህደት ደገፍ ናይ ምርካብ ተኽእሎታት ድሩት እዩ።
ኣብ ገሊኦም ኩነታት ናይ ዳግመ-ውህደት ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ደገፍ እዚ እንተበዝሐ ናይ € 1,000 ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ን/ወይ ሓገዝ ዘጠቓልል እዩ።