ንውሳኔ ናይ IND ይግባይ ምባል
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 20/3/2023 9:51 ቅ.ቀ.
ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ነጺግዎ ኣሎ። ምስዚ ምንጻግ ዘይተሰማማዕ ምስ እትኸውን እንታይ ክትገብር ትኽእል? ብዛዕባ ናብ ናይ ኔዘርላንድ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ምባል ኣብዚ ኣንብብ።
ብኸምዚ ኢኻ ይግባይ ትብል
ምስ ውሳኔ ናይ
IND
ይግባይ ክትብል ከም እትደልይ ወሲንካ ዲኻ? ጠበቓኻ ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪቡ፣ እቲ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ናይ IND ምኽኑይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። እቲ ቤት-ፍርዲ (ገና) መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣይውስንን እዩ፣ የግዳስ IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ዝፈጸሞ ምዃኑን ዘይምዃኑን እዩ ዝግምግም።
IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ዘይፈጸሞ ምዃኑ ቤት-ፍርዲ ይውስን
ሽዕኡ IND ሓድሽ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። ስለዚ IND ንናይ ህድማ ታሪኽካን ሰነዳትካን ከም ብሓድሽ ክምርምሮም ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምስ IND ከም ብሓድሽ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ።
ድሕሪኡ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ፣ ወይ ድማ ከም ብሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ናብ ላዕለዋይ ይግባይ
ምስቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ጠበቓኻ ናብ
ቤት-ምኽሪ መንግስቲ