• ጀምር
  • ናይ 1 ዓመት W-document እናሃለወካ ንስራሕ ምምልካት
ክልተ ሰባት ኢድ ንኢድ ሰላምታ እናተጨባበጡ
ምንጪ፡ Fauxels

ናይ 1 ዓመት W-document እናሃለወካ ንስራሕ ምምልካት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 27/3/2024 3:36 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ (ገና) የብልካን ዲኻ፣ ግን ድማ ሓድሽ ስራሕ ንምርካብ ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ኣብዚ ገጽ እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንምርካብ ምምልካት ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ገና ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ምስ እትኸውን ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ

ናይ 12 ወይ 18 ኣዋርሕ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
W-document
ኣለካ ድዩ? ስለዚ ክትሰርሕ እትኽእል እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ን6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ኣብ ምምስራሕ ዝርከብ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ከምኡ እውን ኣስራሒኻ ንዓኻ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ናይ ስራሕ ፍቓድ
ከመልክተልካ ኣለዎ። ክትሰርሕ ንኽትክእል ገና ዝያዳ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ።

ሲቪ ምድላው

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ እንተድኣ ረኺብካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣስራሒ ሲቪ ክትልእኽ ክሓተካ እዩ። ሲቪ ሓጺር ጽሑፋዊ ጽማቕ ትሕዝቶ ናይ ሞያኻ እዩ። ሲቪ እንታይ ከጠቓልል ከም ዘለዎ ኣብ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ሲቪ ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ሰነድ እዩ፡

  • መወከሲ ሓበሬታታት፤ እንተወሓደ ቀዳማይን መወዳእታን ስምካ፣ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻን ቁጽሪ ተሌፎንካን።

  • ናይ ስራሕ ተመኩሮ፣ ካብ ናይ ቀረባ እዋን ክሳብ ዝረሓቐ እዋን ብቅደም ተኸተል

  • ትምህርቲ፣ ካብ ናይ ቀረባ እዋን ክሳብ ዝረሓቐ እዋን ብቅደም ተኸተል

  • ክእለታት

  • ድልየታት

መእተዊ ደብዳቤ ምጽሓፍ

ሓደ ኣስራሒ፣ ኣብ ርእሲ ሲቪ መብዛሕትኡ ግዜ መእተዊ ደብዳቤ ክትጽሕፍ ይሓተካ እዩ። ኣብቲ መእተዊ ደብዳቤ ድማ ስለምንታይ ነቲ ስራሕ ብቑዕ ከም ዝኾንካን፣ ስለምንታይ ምስዚ ኣስራሒ ክትሰርሕ ከም እትደልይን ትገልጽ።

ኣስራሕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ይደልዩ። ንኽልቲኦም ቋንቋታት ዘይትመልኮም እንተድኣ ኮይንካ፣ ንመቕርብካ ደብዳቤ ንኽጽሕፈልካ ወይ ንኸረጋግጸልካ ሓገዝ ሕተት።

ብኸምዚ ኢኻ ጽቡቕ መእተዊ ደብዳቤ እትጽሕፍ

  • እንታይ ዓይነት ትካል ምዃኑ ፍለጥ። እቲ ናይ ትካል ባህሊ ወግዓዊ ወይ ዘይወግዓዊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ድማ ደብዳቤኻ ክሳብ ክንደይ ወግዓዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝውስን እዩ።

  • ቋንቋኻ ምስቲ ኣብቲ ዝተለጠፈ ምልክታ ስራሕ ዝተጠቕምሉ ቋንቋ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ልክዕ ከምኡ ተመሳሳሊ ዓይነት ቃላት ተጠቐም።

  • ምስቲ ስራሕ ዝሰማማዕ ትምህርትኻን ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ግለጽ።

  • ነቲ ደብዳቤ ውልቃዊ ግበሮ።

  • ደብዳቤኻ እንተበዝሐ ሓደ ገጽ A4 ምዃኑ ኣረጋግጽ።

ሓንሳብ ምስ ኣመልከትካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ መልሲ ክሳብ እትረክብ ካብ 2 ሳምንታት ዘይበዝሕ ግዜ ይወስድ። ንነዊሕ እዋን ዝኾነ መልሲ እንተድኣ ዘይሰሚዕካ፣ ብዛዕባ መመልከቲኻ ኩሉ ግዜ ናብቲ ኣስራሒ ክትድውል ወይ ኢ-መይል ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ትካል ተገዳስነት እንተድኣ ኣለዎ ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ሓያሎ ኣመልከትቲ ቃለ-መሕትት ንኽገብሩ ይዕደሙ።

ናብ ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ተዓዲምካ

ንኽፉት ስራሕ ኣመልኪትካ እንተድኣ ኮይንካን፣ ቃለ-መሕትት ንምግባር እንተድኣ ተዓዲምካን፣ መስርሕ ምምልካት ብልክዕ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ንነፍስወከፍ ትካል ይፈላለይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓያሎ ዙርያታት ዘጠቓልል እዩ፡

  • 1ይ ቃለ-መሕትት

  • 2ይ ቃለ-መሕትት

  • ቃለ-መሕትት ዕዮ

ኣብ ታሕቲ እቶም ዝተፈላለዩ ዙርያታት እንታይ ከም ዘጠቓልሉ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

1ይ ቃለ-መሕትት
2ይ ቃለ-መሕትት

ንሓድሽ ስራሕ ውዕልካ ምፍራም

ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ኣብ እትጅምረሉ እዋን ውዕል ትፍርም። ውዕል ቅድሚ ምውዳድካ ድማ ብዛዕባ ኣገደስቲ ኣርእስታት ስምምዓት ንምግባር ምስ ኣስራሒኻ ትዘራረብ። ንኣብነት ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ስምምዓት ትገብር፡

  • ክንደይ ኣታዊ ክትረክብ ምዃንካ

  • ክንደይ ሰዓታት ክትሰርሕ ምዃንካ

  • ኣብ ኣየኖት መዓልታት ክትሰርሕ ምዃንካ

  • ክንደይ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክህልወካ ምኻኑ

ኣብቲ ኣገዳሲ ጉዳያት እንተድኣ ተሰማሚዕኩም ድማ ውዕል ትፍርሙ። ኩሎም ቅድመ-ኩነታት ዕዮ ኣብ ውዕልካ ይቕመጡ። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት፣ ከም በዓል ናይ ወሊድ ዕረፍቲ፣ ናይ ወለዲ ዕረፍቲን ናይ ክንክን ዕረፍቲን ዝኣመሰሉ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ክትረክብ መሰል ኣለካ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ናይ ሓደ ዓመት W-document ምስ ዝህልወካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ