ውዕል ስደት ኤውሮጳ ካብ 12 ሰነ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ይውዕል: እዚ እንታይ ማለት እዩ? ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ዑቕባን ስደትን ሓድሽ ስምምዓት ኣካይዱ። እዚኦም ካብ 12 ሰነ 2026 ጀሚሮም ይምልከቱ።ኣብ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ስጉምትታት ይውሰኹ ኣለዉ፡ ከም ዝነውሐ ናይ ምጽባይ ግዜን ጽኑዕ ቅድመ ኩነታት ምጥርናፍ ስድራቤትን። ውዕል ስደት ኤውሮጳ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ኣንብቡ። ዜና 12 ሰነ 2026
ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ዝርኣይ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ኩነታት ከምዚ እዩ ኣብ ገለ ቦታታት ኔዘርላንድ፣ ኣንጻር ምዕቋብ ስደተኛታት ተቓውሞታት ክካየድ ጸኒሑ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ናብ ዓመጽ ይዓርግ እዩ። ሰባት ስለምንታይ ተቓውሞ የስምዑ፣ መን ዓመጽ ይጥቀም፣ ኔዘርላንዳውያን ብዛዕባ ምቕባል ሓተትቲ ዑቕባ ከመይ ከም ዝሓስቡ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 10 ሰነ 2026
ብኢንተርነት ቋንቋ ኔዘርላንድ ብነጻ ብመንገዲ 'Taalversnellers' ተማሃር ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ኣብ ምምሕዳር ከተማ ገና መስርሕ ምውህሃድካ ኣይጀመርካን ዲኻ? ስለዚ ኣብ ናይ UAF ‘Taalversnellers’ ዝብል መደብ ብነጻ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ክሳብ ደረጃ B1 ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ክትመሃር ኢኻ። ንጥፈት 8 ሰነ 2026
ካብ 8 ክሳብ 21 ሰነ 2026፡ ኣብ ኣምስተርዳም ናብ ዝካየድ 'Refugee Welcome Week' ምጻእ ኣብ ኣምስተርዳም ዝካየድ ናይ ስደተኛታት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ሰሙን 'Refugee Welcome Week (RWW)' ኣብ ሰኑይ ዕለት 8 ሰነ ክጅምር እዩ፣ ክሳብ 21 ሰነ ድማ ክጸንሕ እዩ። ብዛዕባ ኣብቲ ሰሙን ዝካየድ ፍጻመታት ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ንጥፈት 5 ሰነ 2026
ኣብዚ ክረምቲ 'Pride' ኣብ ኔዘርላንድ ጸምብል ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ፕራይድ 'Pride' ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝግበር። ኣብ ኣምስተርዳም 'Pride Walk' ቀዳም 25 ሓምለ ክካየድ እዩ፣ ቀዳም 1 ነሓሰ ድማ እቲ ህቡብ 'Canal Parade' ክግበር እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ፍጻመታት ከም ዘለዉ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ዜና 1 ሰነ 2026
ዝድለዩ፡ ኤውሮጳዊ መበቆል ዘይብሎም ለገስቲ Stichting Donor van Ons ኤውሮጳዊ መበቆል ዘይብሎም ሰባት ለገስቲ ይደሊ ኣሎ። ኣብ መንጎ ለገስቲ ደም፣ ፈርዒ ዋህዮታት ማለት ስተም-ሴል ወይ ክፍለ-ኣካል ዝዓበየ ብዙሕነት ምህላው፣ ሆስፒታላት ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ሕሙማት ብቕልጡፍን ብዝበለጸን ክሕክማ ይሕግዘን እዩ። ዜና 1 ሰነ 2026