ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



Een man en vrouw staan samen met papierwerk onder de arm

ቅድመ-ኩነታት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/5/2023 12:35 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ዘመልከትካዮ ዑቕባ ን6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ኣብ ኔዘርላንድ ይምስራሕ ኣሎ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ትሕቲ እዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ፡

  • ብቚዕ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    W-document
    ዘለካ ምስ እትኸውን።

  • ዘመልከትካዮ ዑቕባ ን6 ኣዋርሕ ኣብ ምምስራሕ ዝርከብ ምስ ዝኸውን። ካብቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ (

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ቅጥዒ M35-H
    ) ኣብ ተር ኣፐል ዝፈረምካሉ እዋን ጀሚርካ ትቖጽር።

  • እንተበዝሐ 24 ሳምንታት ኣብ ዓመት (52 ሳምንታት) ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ከም ስነ-ጥበባዊ እንተበዝሐ 14 ሳምንታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣስራሒኻ ንዓኻ ንኽቖጽረካ ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV) ዘለዎ ምስ ዝኸውን።

  • ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ? ዕድሜኻ 16 ወይ 17 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ንኽንደይ ግዜ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ፍሉይ ሕግታት ኣሎ።

ኣስራሒኻ ንዓኻ ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV) ከመልክተልካ ኣለዎ

ኣስራሒኻ ናይ ስራሕ ፍቓድ -TWV- ብዝምልከት ናብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
Uitvoeringsinstituut Werknemersverzekeringen (UWV)
የመልክት። እዚ ባዕልኻ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። UWV ኣብ ውሽጢ 5 ሳምንታት ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ መመልከቲ ክውስን እዩ። ኣስራሒኻ TWV ምስ ዝህልዎ ድማ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። እቲ TWV ን24 ሳምንታት ዝጸንሕ እዩ። ኣብ ሰሙን ክንደይ ሰዓታት ትሰርሕ ምዃንካ ኣገዳስነት የብሉን። UWV ንብዝሒ እትሰርሓሉ ሳምንታት ጥራይ እዩ ዝርእይ።

ናትካ ናይ ስራሕ ፍቓድ -TWV- ግዜኡ ወዲቚ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣስራሒኻ ሓድሽ TWV ንምርካብ ከመልክት ኣለዎ። ስለዚ ሓድሽ ፍቓድ ንምርካብ መጀመርታ 28 ሳምንታት ክትጽበይ ኣለካ። ኣብተን 28 ሳምንታት ድማ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ይኹን እምበር ኣስራሒኻ ፍቓድ ዘይክረኽበልካን፣ ከምኡ እውን ን28 ሳምንታት ክትጽበይ ዘለካን ክትከውን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣስራሒኻ ምስ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
Refugee Connect
ርክብ ክገርብ ይኽእል እዩ።

ምስ ሓደ ኣስራሒ ካብ 24 ሳምንታት ዝውሕድ ክትሰርሕ ጸኒሕካን፣ ድሕሪኡ ድማ ሓድሽ ስራሕ ረኺብካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እቲ ሓድሽ ኣስራሒኻ ከም ብሓድሽ ናይ ስራሕ ፍቓድ -TWV- ንምርካብ ከመልክት ኣለዎ። ስለዚ ድማ እቲ ድሮ ዝሰራሕካዮ ብዝሒ ሳምንታት ዝተቐነሶ ናይ 24 ሳምንታት TWV ክትረክብ ኢኻ።

ሓደ ኣስራሒ ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቓድ -TWV- ክትሰርሕ እንተድኣ ፈቒዱልካ፣ እዚ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ስለዚ ንኣስራሒኻ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ንዓኻ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኣይወሃበካን እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?