ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



እዚ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብውሕስነት ምስራሕ ክትፈልጦ ዘለካ እዩ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/5/2023 12:04 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ኣስራሒ ብሕማቕ ይሕዘካ። ንኣብነት ዝኾነ ገንዘብ ምስ ዘይከፍለካ ወይ ብዙሕ ክትሰርሕ ምስ እትግደድ። እዚ ምዝመዛ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ዘይፍቀድ ኮይኑ እናሃለወ ትሰርሕ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን መሰላት ዕዮ ኣለዉኻ፣ ከምኡ እውን ምዝመዛ ከምዘጋጠመካ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ናይ ዕዮ መሰላት ኣለካ

ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ናይ 1 ዓመት W-document ኣለካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ልክዕ ከም ኔዘርላንዳውያን ሓደ ዓይነት ናይ ስራሕ መሰላት ኣለዉኻ። ዋላ ኣስራሒኻ ንዓኻ ፍቓድ ዘየመልከተልካ ምስ ዝኸውን እውን ልክዕ ከም ዝሰርሑ ኔዘርላንዳውያን ሓደ ዓይነት ናይ ስራሕ መሰላት ኣለዉኻ። እዞም መሰላት እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡ 

  • ኣስራሒኻ ካብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ዝተሓተ ገደብ ደሞዝ ንታሕቲ ክኸፍለካ ኣይፍቀደሉን እዩ። እቲ ዝተሓተ ገደብ ደሞዝ ካብ 21 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ 11 ኤውሮ ንሰዓት እዩ።

  • ዕረፍትን ነጻ መዓልታት ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ዓመት እቲ ዝተሓተ ገደብ ብዝሒ ናይ ነጻ መዓልታት ድማ ተቐሚጡ ኣሎ።

  • ከም ዝሓመምካ ክትሕብር መሰል ኣለካ።

  • ኣስራሒኻ ንደሞዝካ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ኣብ እዋኑ ናብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ከመሓላልፈልካ ኣለዎ።

  • ኣስራሒኻ ውሑስን ጥዑይን ናይ ስራሕ ሃዋህው ከምዝህሉው ከረጋግጽ ኣለዎ።

  • ኣብ ሰሙን እንተበዝሐ 60 ሰዓታት ትሰርሕ፣ ነፍስወከፍ ሰሙን ግን ኣይኮነን።

  • ኣስራሒኻ ነቲ ብፍልጠትካን ተመኩሮኻን እትሰርሖ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ንቡር ዝኾነ ደሞዝ ክኸፍለካ ኣለዎ።

  • ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ እዋን ለይቲ ወይ ሓደገኛ ስራሕ ክትሰርሕ ኣይፍቀደልካን እዩ።

ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ምዝመዛ ብኸምዚ ኢኻ እተለልዮ

ምዝመዛ ሓያሎ ነገራት ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ኣስራሒ ካብቲ ኣብ ውዕልካ ዝርከብ ንላዕሊ ክትሰርሕ ዘገድደካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ብተኸታታሊ ንብዙሕ ሰዓታት ክትሰርሕ የገድደካ። ኣዝዩ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ገንዘብ ዘይምርካብ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ምዝመዛ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ክትሰርሕ ምግዳድ ወይ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝግበረልካ ምዃን ዝምልከት እዩ። ምዝመዛ ብኸምዚ ዝስዕብ ኢኻ ከተለልዮ እትኽእል፡

  • ኣስራሒኻ ውዕል ክህበካ ኣይደልይን፣ ከምኡ እውን ብጥረ ገንዘብ ጥራይ ክኸፍለካ ይደልይ።

  • ዕረፍቲታት ወይ ነጻ መዓልታት ዘይብልካ ነዊሕ ንኽትሰርሕ ትግደድ።

  • ውሑድ ይኽፈለካ፣ ፈጺሙ ኣይክፈለካን ወይ ኣዝዩ ደንጒዩ ይኽፈለካ።

  • ብዘይ መከላኸሊ ሓደገኛ ወይ ንጥዕና ዝጎድእ ስራሕ ክትሰርሕ ትግደድ።

  • ኣስራሒኻ ኣብ መጀመርታ ሕያዋይ እዩ፣ ግን ደጊም ሃንደበት ዘይሕያዋይ ይኸውን።

  • ኣስራሒኻ ዘይትደልዮም ነገራት ንኽትገብር ጸቕጢ ይገብረልካ።

  • ኣስራሒኻ ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ስራሕ ወይ ብዛዕባ ክትሰርሕ እትኸዶ ቦታ ምስጢራዊ እዩ።

  • ኣስራሒኻ የፍርሓካ ወይ የፈራርሓካ።

  • ኣስራሒኻ ክህበካ ዝግብኦ ገንዘብካ ይሕዞ። ንኣብነት ዕዳ ክትከፍል ስለዘለካ።

  • ኣስራሒኻ ንፓስፖርትኻ ይምንጥለካ።

  • ኣስራሒኻ ብዛዕባ እቲ ስራሕ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይትዛረብ ይነግረካ።

ምዝመዛ ኣብ ኔዘርላንድ የጋጥም እዩ። ንዝኾነ ሰብ ድማ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ እንተድኣ ኮይንካ፣ ንኽትምዝመዝ ዝያዳ ሓደጋ ኣለካ። ምኽንያቱ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ቋንቋን ሕግታትን ገና ጽቡቕ ገይርካ ስለ ዘይትፈልጥ እዩ። ወይ ኔዘርላንዳውያን ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ስለ ዘይለመድካዮ። ኣብ ኔዘርላንድ እንታይ ንቡር ምዃኑ ዘይምፍላጥ እውን። ስለዚ ብግቡእ ኣስተብህል። ልክዕ ከምቶም ዝሰርሑ ኔዘርላንዳውያን ሓደ ዓይነት መሰላት እዩ ዘለካ።

ምዝመዛ ምስ ዘጋጥመካ ከምዚ ዝስዕብ ኢኻ ክትገብር እትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ ንሰባት ዝምዝምዙ ኣስራሕቲ ብሕጊ ይቕጽዑ እዮም። ምዝመዛ ምስ ዘጋጥመካ ናብ ፖሊስ ክትሕብር መሰል ኣለካ። ዋላ ፍቚድ ዘይኮነ እናሃለወ፣ ወይ ድማ ብዘይ ውዕል ወይ ኣብ ወረቐት ዝሰፈሩ ስምምዓት ዘይብልካ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ እውን። ሽዕኡ ፖሊስ ብዝያዳ ክሕግዙኻ እዮም። ኣስራሒኻ ገለ ብገበን ዘሕትት ነገር እንተድኣ ፈጺሙ ድማ ንስኻ ኣይትቕጻዕን ኢኻ። ምዝመዛ ስምካ ከይገለጽካ እውን ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ናብ ፖሊስ ኣብ እትኸደሉ እዋን እውን ምሳኻ ሰብ ክትማላእ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኩሉ ግዜ ናብ 112 ደውል። ህጹጽ ኣይኮነን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ብመንገዲ ቁጽሪ ተሌፎን 0900 - 8844 ናብ ፖሊስ ኔዘርላንድ ደውል። ምዝመዛ ናብ ፖሊስ ሓቢርካ ዲኻ? ስለዚ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ። እቲ ጠበቓ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ እዩ።

ውሕስነት ዘይብልካ ኮይኑ ይስምዓካ ድዩ? ዘይትደልዮም ነገራት ንኽትገብር ትግደድ ኣለኻ ዲኻ? ኣብ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት -VluchtelingenWerk- ካብ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ድሕነትካ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣማኻሪኻ ንሓበሬታኻ ብዝተኻእለ መጠን ብሚስጢር እዩ ዝሕዞ፣ ከምኡ እውን እንተድኣ ዘይትደልይ ኮይንካ ንኻልኦት ኣየካፍሎን እዩ።

ብኸምዚ ኢኻ ንምዝመዛ ባዕልኻ ክትነቅሓሉ እትኽእል፡

  • ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሓደ ኣስራሒ ክኸውን ዝኽእል ሰብ ክትራኸብ እንከለኻ ምሳኻ ሓደ ሰብ ተማላእ። ወይ ሓደ እትኣምኖ ሰብ ኣበይ ከም ዘለኻ ከም ዝፈልጥ ግበር። ኣብ ህዝባዊ ቦታ ድማ ተራኸቡ።

  • ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉኻ ናይ ስራሕ መሰላት ኣየኖት ምዃኖም ፍለጥ። ምናልባት ኣብ ሃገርካ ዝተፈልዩ መሰላት ዝለመድካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ግን ናይ ኔዘርላንድ ሕግታት እዮም ተፈጻምነት ዘለዎም።

  • ብዛዕባ ደሞዝካ፣ ናይ ስራሕ ሰዓታትካን መዓስ ከም እትኽፈልን ብዝምልከት ምስ ኣስራሒኻ ስምምዕ ግበር። እዚ ኣብቲ ክልተኹም ኣብ እትፍርምዎ ውዕል ዝርከብ ምዃኑ ድማ ኣረጋግጽ።

  • እንታይ ስምምዓት ከም ዝገበርካ ጸሓፎም። ናይ ስራሕ ሰዓታትካ እውን ባዕልኻ ጸሓፎም። ናይ ገዛእ-ርእስኻ ሰነዳት ድማ ኣብ ውሑስ ኣቐምጦም።

  • ፓስፖርትኻ ወይ ሰነዳት መንነትካ ንነዊሕ እዋን ፈጺምካ ኣይትሃብ። ቅዳሕ ናይ መንነት ሰነዳትካ ንኽትህቦ ግን ኣስራሒኻ ክሓተካ ይኽእል እዩ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ንውዕልካ ኣድላዪ እዩ።

  • ኣብ እዋን ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትትካ ወይ ስራሕካ ውሕስነት ዘይብሉ ወይ ዘይምቹእ ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ ውጻእ ወይ ሓገዝ ሕተት።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?