
እዚ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብውሕስነት ምስራሕ ክትፈልጦ ዘለካ እዩ
ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ኣስራሒ ብሕማቕ ይሕዘካ። ንኣብነት ዝኾነ ገንዘብ ምስ ዘይከፍለካ ወይ ብዙሕ ክትሰርሕ ምስ እትግደድ። እዚ ምዝመዛ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ዘይፍቀድ ኮይኑ እናሃለወ ትሰርሕ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን መሰላት ዕዮ ኣለዉኻ፣ ከምኡ እውን ምዝመዛ ከምዘጋጠመካ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ናይ ዕዮ መሰላት ኣለካ
ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ ዲኻ፣ ከምኡ እውን
ኣስራሒኻ ካብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝወሃብ ዝተሓተ-ገደብ ደሞዝ ንታሕቲ ክኸፍለካ ኣይፍቀደሉን እዩ። 21 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝዕድሚኡ ሰብ ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ ዝተሓተ-ገደብ ደሞዝ ኣብ ሰዓት ሓፈሻዊ € 14,06 እዩ።
ዕረፍትን ነጻ መዓልታት ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ዓመት እቲ ዝተሓተ ገደብ ብዝሒ ናይ ነጻ መዓልታት ድማ ተቐሚጡ ኣሎ።
ከም ዝሓመምካ ክትሕብር መሰል ኣለካ።
ኣስራሒኻ ንደሞዝካ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ኣብ እዋኑ ናብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ከመሓላልፈልካ ኣለዎ።
ኣስራሒኻ ውሑስን ጥዑይን ናይ ስራሕ ሃዋህው ከምዝህሉው ከረጋግጽ ኣለዎ።
ኣብ ሰሙን እንተበዝሐ 60 ሰዓታት ትሰርሕ፣ ነፍስወከፍ ሰሙን ግን ኣይኮነን።
ኣስራሒኻ ነቲ ብፍልጠትካን ተመኩሮኻን እትሰርሖ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ንቡር ዝኾነ ደሞዝ ክኸፍለካ ኣለዎ።
ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ እዋን ለይቲ ወይ ሓደገኛ ስራሕ ክትሰርሕ ኣይፍቀደልካን እዩ።
እዚኦም ኣብ ስራሕካ ናይ ምዝመዛ ምልክታት እዮም
ምዝመዛ ዝተፈላለየ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣስራሒኻ ካብቲ ኣብ ውዕልካ ዝርከብ ንላዕሊ ንኽትሰርሕ፣ ወይ ብተኸታታሊ ንብዙሕ ሰዓታት ንኽትሰርሕ ዘገድደካ ማለት ክኸውን ይኽእል። ኣዝዩ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ገንዘብ ዘይትረክብ ማለት እውን ክኸውን ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ምዝመዛ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ክትሰርሕ ምግዳድ፣ ወይ ብኣስራሒኻ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝግበረልካ ምዃን ማለት እውን እዩ። ምልክታት ምዝመዛ እነሆ፡
ኣስራሒኻ ውዕል ክህበካ ኣይደልይን፣ ከምኡ እውን ብጥረ ገንዘብ ጥራይ ክኸፍለካ ይደልይ።
ዕረፍቲታት ወይ ነጻ መዓልታት ዘይብልካ ነዊሕ ንኽትሰርሕ ትግደድ።
ውሑድ ይኽፈለካ፣ ፈጺሙ ኣይክፈለካን ወይ ኣዝዩ ደንጒዩ ይኽፈለካ።
ብዘይ መከላኸሊ ሓደገኛ ወይ ንጥዕና ዝጎድእ ስራሕ ክትሰርሕ ትግደድ።
ኣስራሒኻ ኣብ መጀመርታ ሕያዋይ እዩ፣ ግን ደጊም ሃንደበት ዘይሕያዋይ ይኸውን።
ኣስራሒኻ ዘይትደልዮም ነገራት ንኽትገብር ጸቕጢ ይገብረልካ።
ኣስራሒኻ ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ስራሕ ወይ ብዛዕባ ክትሰርሕ እትኸዶ ቦታ ምስጢራዊ እዩ።
ኣስራሒኻ የፍርሓካ ወይ የፈራርሓካ።
ኣስራሒኻ ክህበካ ዝግብኦ ገንዘብካ ይሕዞ። ንኣብነት ዕዳ ክትከፍል ስለዘለካ።
ኣስራሒኻ ንፓስፖርትኻ ይምንጥለካ።
ኣስራሒኻ ብዛዕባ እቲ ስራሕ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይትዛረብ ይነግረካ።
ምዝመዛ ኣብ ኔዘርላንድ የጋጥም እዩ፣ ንዝኾነ ሰብ ድማ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ እንተድኣ ኮይንካ፣ ምዝመዛ ንኸጋጥመካ ዝዓበየ ዕድል ኣለካ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ቋንቋን ሕግታትን ገና ጽቡቕ ገይርካ ዘይትፈልጥ ክትከውን ስለ እትኽእል እዩ። ወይ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ብኸመይ ከምዝካየድን፣ እንታይ ንቡር ምዃኑን ብሰንኪ ዘይምፍላጥካ። ስለዚ ብግቡእ ኣስተብህል። ልክዕ ከምቶም ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ዘለዎም ሰባት ሓደ ዓይነት መሰላት እዩ ዘለካ።
ንምዝመዛ ባዕልኻ ብኸምዚ ክትነቕሓሉ ትኽእል
ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሓደ ኣስራሒኻ ክኸውን ዝኽእል ሰብ ክትራኸብ እንከለኻ ምሳኻ ሓደ ሰብ ተማላእ። ወይ ሓደ እትኣምኖ ሰብ ኣበይ ከምዘለኻ ከም ዝፈልጥ ግበር። ኣብ ህዝባዊ ቦታ ድማ ተራኸቡ።
ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉኻ ናይ ስራሕ መሰላት ኣየኖት ምዃኖም ፍለጥ። ኣብ መበቆል ሃገርካ ምናልባት ዝተፈልዩ መሰላት ዝለመድካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ግን ናይ ኔዘርላንድ ሕግታት እዮም ተፈጻምነት ዘለዎም።
ብዛዕባ ደሞዝካ፣ ናይ ስራሕ ሰዓታትካን መዓስ ከም እትኽፈልን ብዝምልከት ምስ ኣስራሒኻ ንጹር ስምምዓት ግበር። እዚ ክልተኹም ኣብ እትፍርምዎ ውዕል ኣብ ወረቐት ከም ዝጸሓፍ ኣረጋግጽ።
እንታይ ስምምዓት ከም ዝገበርካ ጸሓፎም፣ ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ድማ ባዕልኻ ተኸታተል። ንኹሎም ሰነዳትካ ኣብ ውሑስ ኣቐምጦም።
ፓስፖርትኻ ወይ ናይ መንነት ሰነድካ ንነዊሕ እዋን ፈጺምካ ኣይተረክብ። ቅዳሕ ናይ መንነት ሰነድካ ንኽትህቦ ግን ኣስራሒኻ ክሓተካ ይኽእል እዩ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ንውዕልካ ኣድላዪ እዩ።
ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ኣብ እትገብረሉ ወይ ኣብ እትሰርሓሉ እዋን፣ ውሕስነት ዘይብሉ ወይ ዘይምችእ ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ ውጻእ ወይ ሓገዝ ሕተት።