ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • ስራሕ
  • ብናይ 1 ዓመት W-document ወለንታዊ ስራሕ ንምስራሕ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት
ክልተ ሰባት ኣብ ጀርዲን ኣሕምልቲ እናሰርሑ

ብናይ 1 ዓመት W-document ወለንታዊ ስራሕ ንምስራሕ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/4/2024 3:43 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘለኻን፣ ናይ 1 ዓመት W-document ዘለካን ምስ እትኸውን ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

ወለንታዊ ስራሕ ደሞዝ ዘይብሉ ስራሕ እዩ

ወለንታዊ ስራሕ፣ ንኻልኦት ወይ ንሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብዘይ ክፍሊት እትሰርሖ ስራሕ እዩ። ደስ ዝብለካ እንተድኣ ኮይኑ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ክትረክብ ምስ እትደልይ። ብመንገዲ ወለንታዊ ስራሕ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመድን ምስ ኔዘርላንዳውያን ክትራኸብን እውን ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ወለንታዊ ስራሕካ ኣበል ትረክብ ኢኻ

ወለንታዊ ስራሕ እንተድኣ ትሰርሕ ኮይንካ ሓደ ሓደ ግዜ ኣበል ትረክብ ኢኻ። ንኣብነት ንናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ወይ ንእትገብሮም ካልኦት ወጻኢታት ንምኽሓስ። እዚ ኣበል ነቲ ካብ COA እትረኽቦ ናይ መነባብሮን መግብን ገንዘብ ኣይጸልዎን እዩ። እቲ ኣበል ኣታዊ ኣይኮነን።

ካብ 1 ጥሪ 2024 ጀሚሩ፣ ኣብ ወርሒ እንተበዝሐ €210,- ኣብ ዓመት ድማ €2100,- ናይ ወለንታዊ ስራሕካ ኣበል ክትረክብ ይፍቀደልካ እዩ። ብዘይካ ገንዘብ ካልእ ኣበል እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ናይ ህያብ ቅብሊት ወይ ብነጻ ስልጠና ወይ ዓውደ-መጽናዕቲ ምክትታል።

ናይ ወለንተኛ መግለጺ የድልየካ እዩ

ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሓሉ እትደልይ ውድብ ረኺብካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እዚ ውድብ ካብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
Uitvoeringsinstituut Werknemersverzekeringen (UWV)
ናይ ወለንተኛ መግለጺ ክሓትት ኣለዎ። ናይ ወለንተኛ መግለጺ ማለት እቲ ወለንታዊ ስራሕካ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ከምዘይኮነ ዝገልጽ ደብዳቤ እዩ።

እቲ ውድብ ናይቲ መመልከቲ መረጋገጺ ምስ ረኸበ ድማ ወለንታዊ ስራሕካ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። UWV ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታትን ብዛዕባ እቲ መመልከቲ ውሳኔ ክህብ እዩ። ንውሳኔ ናይ UWV ክትጽበይ ኣየድልየካን እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምስክር ወረቐት ጽቡቕ ጠባይ (VOG) የድልየካ እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ንስራሕ ወይ ወለንታዊ ስራሕ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ምስክር ወረቐት ጽቡቕ ጠባይ (VOG)
የድልየካ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ትካል እዩ ነዚ VOG ንኽትረክብ ዘመልክተልካ። VOG ንምምልካት ድማ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
BSN
ኣየድልየካን እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ብናይ 1 ዓመት W-document ወለንታዊ ስራሕ ምስራሕ