ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ናይ 1 ዓመት W-document እናሃለወካ ልምምድ ስራሕ ምግባር

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 1:50 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ኣለኻ ዲኻ፣ ግን ድማ ገና ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ የብልካን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ንትምህርትኻ ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ኣብዚ ኣንብብ።

ልምምድ ስራሕ ምግባር

ልምምድ ስራሕ ሓደ ሓደ ግዜ ግዴታዊ ክፋል ናይ ትምህርትኻ እዩ። ኣብ እዋን ልምምድ ስራሕ ድማ ሞያ ትመሃር ወይ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ትረክብ። ኣብ ሓደ ትካል ንሓጺር ግዜ ትሰርሕ፣ ከምኡ እውን ደሞዝ ኣይትረክብን ኢኻ። መንበሪ ፍቓድ ገና ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ ናይ ልምምድ ስራሕ ኣበል እውን ኣይትረክብን ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ናይ መጎዓዝያ ኣበል ትረክብ ኢኻ። ብመንገዲ ልምምድ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ከመይ ከም ዝመስል ክትመሃር ትኽእል።

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡

  • ንትምህርትኻ ዝኸውን ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ዘለካ ምስ እትኸውን።

  • እቲ ናይ ስራሕ ልምምድ ክፍሊት ዘይብሉ ምስ ዝኸውን። ንናይ መጎዓዝያ ወጻኢታትካ ዝኸውን ኣበል ክትቕበል ግን ትኽእል ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ ንኣስራሒኻ ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV) ኣየድልዮን እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንዓኻ ኣይምልከትን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ኣይፍቀደልካን እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?