• ጀምር
  • ትምህርቲ
  • ትምህርቲ ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ንዘይክእሉን መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎምን ቆልዑት
ቆልዑት ኣብ ክፍሊ ብሪጋ ኮፍ ኢሎም ይሰርሑ። መምህር ንኽሕግዞም ብሞንጐኦም ዘወር ይብል።
ምንጪ፡ Max Fischer

ትምህርቲ ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ንዘይክእሉን መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎምን ቆልዑት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 23/2/2024 9:21 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ገና የብልካን ድዩ፣ ከምኡ እውን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይዛረቡ ቆልዑት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ኣብያተ-ትምህርቲ ውላድካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምእንቲ ክመሃርን ትምህርቲ ኔዘርላንድ ንኽከታተልን ሓገዝ የቕርባ እየን።

ኩሉ ግዜ ናይ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል

ከም ቆልዓ ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ መጺእካ ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎካ። እኳ ደኣ ቆልዑት ናብ ቤት-ትምህርቲ ንክኸዱ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ኣብ ሕጊ ኔዘርላንድ ተጠቒሱ ይርከብ። ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ካብ 5 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ ኣለዎ።

እቲ ደገፍ ምስ ደረጃ ናይ ውላድካ ዝሳነይ እዩ

ISK (ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ክፍሊ) ንናይ ውላድካ ናይ ምምሃር ደረጃ ይርእይን፣ ከምኡ እውን ብእኡ መሰረት ነቲ ደገፍ የስተኻኽሎን እዩ። ውላድካ ኣብ ISK ክጅምር እንከሎ መጀመርታ ኣየናይ ደረጃ ብዝበለጸ ከም ዝሰማምዖ ይፍተሽ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ምስቲ ቆልዓን ወለድን ምይይጥ ይካየድ። እዚ ዝግበር ድማ እቲ ቆልዓ ኣብ ኣዝዩ ቀሊል ወይ ኣዝዩ ከቢድ ክፍሊ ከይምደብ ንምውጋድ እዩ።

ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ምምሃር ዝግበር ደገፍ

ኣብ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝካየድ። እቶም ሕጂ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ኔዘርላንድ ዝኣተዉ ቆልዑት፣ ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣይዛረቡን ከምኡ እውን ኣይርድእዎን እዮም። ስለዚ ድማ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ኔዘርላንድ፣ ቆልዑት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንኽመሃሩ ፍሉይ ሓገዝ ዝገብራሎም። እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ኣብ ዕድመ ውላድካ ዝምርኮስ እዩ። 

  • ትሕቲ 12 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝግበር ደገፍr

ውላድካ ዕድሚኡ ትሕቲ 12 ዓመት ድዩ? ስለዚ ፍሉያት መባእታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ወይ ድማ ኣብ ንቡር መባእታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ንቆልዑት ዝኾኑ ፍሉያት ክፍልታት ኣለዉ። 

  • ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝግበር ደገፍr

ውላድካ ዕድሚኡ ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ድዩ? ስለዚ ናብ ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ክፍሊ (Internationale Schakelklas - ISK) ይኸይድ። እዚ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝርከብ ፍሉይ ክፍሊ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ክፍሊ ድማ ቋንቋ ኔዘርላንድ ይመሃር። ድሕሪ ከባቢ 1 ዓመት፣ ውላድካ  ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ናብ ስሩዕ ክፍሊ ክኸይድ እዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ክፍሊ (ISK) ዝርከቡ 3 ዝተፈላለዩ ናይ ምምሃር ደረጃታት

ደቀይ ገና ይመሃሩ የለዉን

ንስኻን ደቅኻን ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ገይርኩም፣ እንተኾነ ግን ደቅኻ ገና ናብ ቤት-ትምህርቲ ኣይከዱን ድዮም? ስለዚ ደቅኻ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ዝኽእሉ እንተኾኑ ንምምሕዳር ከተማ ወይ ንመዕቆቢ ሕተት። 

ደቅኻ ገና ክሳብ ሕጂ ኣይመሃሩን ድዮም? ስለዚ ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይ VluchtelingenWerk ወይ ናብ ምምሕዳር ከተማ ሓብር።

ምምሕዳር ከተማ ንደቅኻ ዝኸውን ቤት-ትምህርቲ ከምዝህሉው የረጋግጽ

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC)
ዲኻ ትነብር፣ ከምኡ እውን ንስኻን ደቅኻን ገና መንበሪ ፍቓድ የብልኩምን ድዩ? ስለዚ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ብምምሕዳር ከተማን ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባን (COA) ክዋደድ እዩ። 

  • መብዛሕትኦም ናይ COA መዕቆቢ ቦታታት ንትሕቲ 12 ዓመት ቆልዑት ዝኸውን መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ኣብቲ ቀጽሪ ኣለዎም። 

  • ካብ 12 ክሳብ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት፣ ምምሕዳር ከተማ ቤት-ትምህርትን ናብቲ ቤት-ትምህርቲ ዝወስድ መጓዓዝያን የዋድድ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?