
ምንጪ፡ Marchalilah
ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
መንበሪ ፍቓድ ገና የብልካን ዲኻ፣ ግን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ሓቲትካ ዲኻ? ብመሰረት ዘለዉ ሕግታት ኣብዚ ክትመሃር ይፍቀደልካ እዩ። ብተግባር እዚ ከቢድ እዩ። ንኣብነት ዝተወሰኑ (ናይ ቋንቋ) ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ብዛዕባኡ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት
ነዞም ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡
ዑቕባ ንምርካብ ናብ
ኣመልኪትካ ኣለኻ፣ ናይዚ መረጋገጺ ከተቕርብ ድማ ትኽእል ኢኻ።ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)ምስ ደረጃ ናይቲ ክትከታተሎ እትደልይ ትምህርቲ ዝዳረግ ብቚዕ ዲፕሎማ ኣለካ።
ናይ ወጻኢ ዲፕሎማኻ ምስ ናይ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ክነጻጸር ኣለዎ። እዚ ድማ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ይበሃል። ነዚ ክሳብ ሕጂ ኣይገበርካን ዲኻ? ስለዚ ምስ
ርክብ ግበር።ኣህጉራዊ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ (IDW)ነቲ ክትከታተሎ እትደልይ ትምህርቲ ብዝድለይ ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ (ወይ እንግሊዝኛ) ትዛረብን ትጽሕፍን ኢኻ።
ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።
ኣብ mbo ትምህርቲ ናይ ምክትታል ቅድመ-ኩነታት
ናይ
ሓደ ሓደ ግዜ ንኹሎም ቅድመ-ኩነታት ዘይተማልእ ምስ እትኸውን ስልጠና ክትከታተል ትኽእል ኢኻ
ሓደ ሓደ ግዜ ናይ mbo ቤት-ትምህርቲ ንቅድመ-ስልጠና ዝምልከት ሕግታት ፍሉይ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ቤት-ትምህርቲ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ዘይተማልእ እናሃለኻ ነቲ ስልጠና ብዓወት ክትውድኦ ትኽእል ኢኻ ኢሉ እንተድኣ ሓሲቡ። ብዛዕባ እዚ ንወሃቢ ናይቲ ክትከታተሎ እትደልይ ስልጠና ሕተት።
Mbo ደረጃ 1፡
ብዘይካ እቶም ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ሓፈሻዊ ቅድመ-ኩነታት፣ ኣብ mbo ደረጃ 1 ንዝወሃብ ስልጠና ንምክትታል እዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡
እንተወሓደ ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ
ኣለካ።B1ኣብ ዓመተ-ምዝገባ 1 ነሓሰ እንተወሓደ 16 ዓመት ዕድመ ዝመላእካ ኢኻ።
ኣብ mbo ደረጃ 2፣ mbo ደረጃ 3 ወይ mbo ደረጃ 4 ስልጠና ክትጅምር ዘይትኽእል ኢኻ።
ኣብ mbo ደረጃ 1 ስልጠና ንምጅማር ዲፕሎማ ኣየድልየካን እዩ።
Mbo ደረጃ 2 ክሳብ 4፡
ብዘይካ እቶም ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ሓፈሻዊ ቅድመ-ኩነታት፣ ኣብ mbo ደረጃ 2 ክሳብ 4 ንዝወሃብ ስልጠና ንምክትታል እዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡
እንተወሓደ ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ B1 ኣለካ።
ምስ ደረጃ ናይ ስልጠናኻ ዝሰማማዕ ዲፕሎማ ኣለካ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ክትከታተሎ እትደልይ ስልጠና ኣየናይ ዲፕሎማ ከም ዘድልየካ ክትረክብ ኢኻ።
ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ናይ ምክትታል ቅድመ-ኩነት
ብዘይካ እቶም ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ሓፈሻዊ ቅድመ-ኩነታት፣ ኣብ
ብቋንቋ ኔዘርላንድ ስልጠና ንምክትታል ደረጃ ቋንቋ፡ እንተወሓደ B2። ኣብዚ ደረጃ ከም ዝበጻሕካ ብዲፕሎማ ናይ NT2 ሃገራዊ ፈተና ኢኻ እተርእይ።
ብቋንቋ እንግሊዝ ስልጠና ንምክትታል ደረጃ ቋንቋ፡ እንተወሓደ B2። ኣብዚ ደረጃ ከም ዝበጻሕካ ብምስክር ወረቐት ናይ ፣
ወይ Cambridge ኢኻ እተርእይ።TOEFLኣብ ገሊኦም ላዕለዋይ ትምህርቲ ንኽትኣቱው ንኽፍቀደልካ ዝያዳ ክትገብር ኣለካ። እዚ ተኸታቲልካዮም ክትከውን ዘለካ ዝተወሰኑ ትምህርቲ ወይ ወዲእካዮ ክትከውን ዘለካ ዝተወሰነ ስልጠና ዝምልከት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ንወሃቢ ናይቲ ክትከታተሎ እትደልይ ስልጠና ሕተት።