ዜናዕዳጋ
ሓንቲ ሰበይቲ መጽሓፍ እናንበበት መዘኻኸሪ ትጽሕፍ። ኣብ ጠረጴዛ ድርዳር መጻሕፍቲ ኣሎ።
ምንጪ፡ Marchalilah
ሓበሬታ
ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 4:17 ድ.ቀ.

መንበሪ ፍቓድ ገና የብልካን ዲኻ፣ ግን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ሓቲትካ ዲኻ? ብመሰረት ዘለዉ ሕግታት ኣብዚ ክትመሃር ይፍቀደልካ እዩ። ብተግባር እዚ ከቢድ እዩ። ንኣብነት ዝተወሰኑ (ናይ ቋንቋ) ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ብዛዕባኡ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት

ነዞም ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • ዑቕባ ንምርካብ ናብ

    ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
    ኣመልኪትካ ኣለኻ፣ ናይዚ መረጋገጺ ከተቕርብ ድማ ትኽእል ኢኻ።

  • ምስ ደረጃ ናይቲ ክትከታተሎ እትደልይ ትምህርቲ ዝዳረግ ብቚዕ ዲፕሎማ ኣለካ።

  • ናይ ወጻኢ ዲፕሎማኻ ምስ ናይ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ክነጻጸር ኣለዎ። እዚ ድማ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ይበሃል። ነዚ ክሳብ ሕጂ ኣይገበርካን ዲኻ? ስለዚ ምስ

    ኣህጉራዊ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ (IDW)
    ርክብ ግበር።

  • ነቲ ክትከታተሎ እትደልይ ትምህርቲ ብዝድለይ ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ (ወይ እንግሊዝኛ) ትዛረብን ትጽሕፍን ኢኻ።

  • ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ mbo ትምህርቲ ናይ ምክትታል ቅድመ-ኩነታት

ናይ

mbo
ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ 4 ዝተፈላለዩ ደረጃታት ስልጠናታት ይህባ። እቲ ክትመርጾ እትኽእል ደረጃ ድማ ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረካ ትምህርቲ እዩ ዝምርኮስ። ኣብዚ ታሕቲ ንነፍስወከፍ ደረጃ ዝምልከቱ ኣገደስቲ ቅድመ-ኩነታት ክትረክብ ኢኻ፡

ሓደ ሓደ ግዜ ንኹሎም ቅድመ-ኩነታት ዘይተማልእ ምስ እትኸውን ስልጠና ክትከታተል ትኽእል ኢኻ

ሓደ ሓደ ግዜ ናይ mbo ቤት-ትምህርቲ ኣብቶም ንቅድመ-ስልጠና ዝምልከቱ ሕግታት ፍሉይነት ክገብር ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ቤት-ትምህርቲ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ዘይተማልእ እናሃለኻ ነቲ ስልጠና ብዓወት ክትውድኦ ትኽእል ኢኻ ኢሉ እንተድኣ ሓሲቡ። ብዛዕባ እዚ ንወሃቢ ናይቲ ክትከታተሎ እትደልይ ስልጠና ሕተት።

Mbo ደረጃ 1፡

ብዘይካ እቶም ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ሓፈሻዊ ቅድመ-ኩነታት፣ ኣብ mbo ደረጃ 1 ንዝወሃብ ስልጠና ንምክትታል እዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • እንተወሓደ ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ

    B1
    ኣለካ።

  • ኣብ ዓመተ-ምዝገባ 1 ነሓሰ እንተወሓደ 16 ዓመት ዕድመ ዝመላእካ ኢኻ።

  • ኣብ mbo ደረጃ 2፣ mbo ደረጃ 3 ወይ mbo ደረጃ 4 ስልጠና ክትጅምር ዘይትኽእል ኢኻ።

  • ኣብ mbo ደረጃ 1 ስልጠና ንምጅማር ዲፕሎማ ኣየድልየካን እዩ።

Mbo ደረጃ 2 ክሳብ 4፡

ብዘይካ እቶም ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ሓፈሻዊ ቅድመ-ኩነታት፣ ኣብ mbo ደረጃ 2 ክሳብ 4 ንዝወሃብ ስልጠና ንምክትታል እዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • እንተወሓደ ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ B1 ኣለካ።

  • ምስ ደረጃ ናይ ስልጠናኻ ዝሰማማዕ ዲፕሎማ ኣለካ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ክትከታተሎ እትደልይ ስልጠና ኣየናይ ዲፕሎማ ከም ዘድልየካ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ናይ ምክትታል ቅድመ-ኩነት

ብዘይካ እቶም ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ሓፈሻዊ ቅድመ-ኩነታት፣ ኣብ

hbo
ወይ
wo
ንዝወሃብ ስልጠና ንምክትታል እዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • ብቋንቋ ኔዘርላንድ ስልጠና ንምክትታል ደረጃ ቋንቋ፡ እንተወሓደ B2። ኣብዚ ደረጃ ከም ዝበጻሕካ ብዲፕሎማ ናይ ሃገራዊ ፈተና NT2 ኢኻ እተርእይ።

  • ብቋንቋ እንግሊዝ ስልጠና ንምክትታል ደረጃ ቋንቋ፡ እንተወሓደ B2። ኣብዚ ደረጃ ከም ዝበጻሕካ ብምስክር ወረቐት ናይ ፣

    TOEFL
    ወይ Cambridge ኢኻ እተርእይ።

  • ኣብ ገሊኦም ላዕለዋይ ትምህርቲ ንኽትኣቱው ንኽፍቀደልካ ዝያዳ ክትገብር ኣለካ። እዚ ተኸታቲልካዮም ክትከውን ዘለካ ዝተወሰኑ ትምህርቲ ወይ ወዲእካዮ ክትከውን ዘለካ ዝተወሰነ ስልጠና ዝምልከት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ንወሃቢ ናይቲ ክትከታተሎ እትደልይ ስልጠና ሕተት።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?