
ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ንመምሃሪኻ ምኽፋል
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ገና መንበሪ ፍቓድ የብልካን ዲኻ፣ ግን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን ብመሰረት ሕጊ ኣብዚ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንትምህርትኻ ግን ባዕልኻ ክትከፍሎ ክትክእል ኣለካ፣ ካብ መንግስቲ ድማ ዝኾነ ገንዘብ ኣይክትረክብን ኢኻ።
ድጎማ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል የብልካን
ገና ካብ
ምናልባት ካብ Stichting UAF ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን ኢኻ
ካብ Stichting UAF ደገፍ ንምርካብ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት
ናይ ስደተኛ ድሕረ-ባይታ ኣለካ*
ኣብ MBO ደረጃ 3 ወይ 4፣ HBO ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢኻ ክትመሃር እትደልይ
እንተወሓደ ናይ 11 ዓመት ትምህርቲ ወዲእካ ኢኻ
ቋንቋ እንግሊዝ ወይ ኔዘርላንድ ብማእከላይ ደረጃ (B1 ወይ ልዕሊኡ) ትዛረብ ኢኻ
* ኣብ ዑቕባ ዝተመርኮሰ ናይ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ፣ ወይ ዑቕባ ሓቲትካ ኣለኻ፣ እዚ መስርሕ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምክያድ እዩ ዝርከብ።
ነዞም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ዲኻ? ስለዚ ምስ UAF ርክብ ግበር።
ገና ደረጃ ቋንቋ ኔዘርላንድ B1 የብልካን ድዩ? ብትምህርታዊ መንገዲ ወይ ብመንገዲ-B1 ትወሃሃድ እንተድኣ ኮይንካ፣ ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማኻ ክትረክብ ኢኻ። ብዛዕባ ዘለዉ ተኽእሎታት ምስ ምምሕዳር ከተማኻ ተዘራረብ። ኣይሰለጠካን ድዩ? ስለዚ UAF ክመኽረካ ይኽእል እዩ።
ምውህሃድ ገና ኣይጀመርካን ዲኻ? ስለዚ UAF መጀመርታ ነቲ ቋንቋ ንኽትመሃር ክሕግዘካ እዩ። እዚ ድማ ክትመሃርን ክትሰርሕን ንኽትክእል ኣድላዪ እዩ። UAF ብመንገዲ
መዓስ ኣብ UAF Academy ክትምዝገብ ትኽእል?
እንተወሓደ ናይ 11 ዓመት ትምህርቲ ወዲእካ ኢኻ
ኣብ UAF Academy ብኢንተርነት ዝወሃብ ትምህርቲ ብግቡእ ክትከታተል ምእንቲ ክትክእል፣ ቋንቋ እንግሊዝ ወይ ኔዘርላንድ ብማእከላይ ደረጃ እትዛረብ ክትከውን ኣለካ
ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ኣለኻ፣ ከምኡ እውን
መስርሕ ዑቕባኻ ገና ኣብ ምክያድ እዩ ዝርከብ
ወይ:
ወይ
ኣብ ትሕቲ
መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ትምህርትኻ ንምምዋል ዝያዳ ሓገዝ ትረክብ
IND ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ እንተድኣ ኣጽዲቕዎ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትመሃር ዝቐለለ ይኸውን። ብድሕሪኡ መብዛሕትኡ ግዜ ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትረክብ ኢኻ። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት፣ ብመንበሪ ፍቓድ ድጎማ ትምህርቲ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ትምህርትኻ ንምኽፋል ዝቐለለ ይገብሮ።