ሓደ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሓኪም
ምንጪ፡ Pexels

ኣብ ኔዘርላንድ ዝግበር ክንክን ጥዕና እዚ ወጻኢታት ኣለዎ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 12:39 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ሕክምናዊ ክንክን የድልየካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ክንደይ ወጻኢ ከም ዝሓትት ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ መሰረታዊ ክንክን እትኸፍለሉ መድሕን ኣለካ። ንዓኻ እዚ መድሕን እዚ ደንቢ ሕክምናዊ ክንክን ንሓተቲ ዑቕባ (RMA) ይበሃል። ብቕጽበት ወይ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ዘድልየካ ክንክን ብነጻ እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ ብነጻ ሕክምናዊ ኣድላዪ ክንክን ትረክብ ኢኻ  

ንዓኻ መሰረታዊ ክንክን ብደንቢ ሕክምናዊ ክንክን ሓተትቲ ዑቕባ (RMA) እዩ ዝኽፈለልካ። ብመንገዲ RMA ድማ ንመብዛሕትኡ ናይቲ ኔዘርላንዳውያን መድሕን ዝረኽብሉ ክንክን ንምርካብ መድሕን ኣለካ። RMA ንኣብነት ካብ ሓኪም ሓፈሻዊ፣ ሆስፒታል ወይ ቤት-መድሃኒት ንእትረኽቦ ስሩዕ ክንክን ብዝምልከት ይኸፍለልካ። ገና መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ክሳብ ዝኾንካ ድማ ንሕክምናኻ ዝኸውን ናይ ባዕልኻ ውዕል መሰረታዊ መድሕን ክትኣቱው ኣየድልየካን እዩ።

ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብተን ቀዳሞት 2 ኣዋርሕ ድሩት ናይ ክንክን ኣኽእሎ ኣለካ። ኣብዘን ቀዳሞት 2 ኣዋርሕ እትረኽቦ ክንክን፣ ብሕክምናዊ መዳይ ኣድላዪ ንዝኾነን ናብ ካልእ ግዜ ክሰጋገር ንዘይክእልን ክንክን ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ። እዚ ሕጊ ገና 18 ዓመት ንዘይመልኡ ቆልዑት ኣይምልከትን እዩ።  

ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዝግበር ሕክምናዊ ክንክን ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ ዝከሓስ

ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ንዝግበር ክንክን መጀመርታ ብመንገዲ RMA ፍቓድ ክትረክብ ኣለካ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝግበር ክንክን ፍቓድ ክትሓትት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ናብ info@rmasielzoekers.nl ኢ-መይል ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ። እቲ ክንክን ህጹጽነት ዝጠልብ እንተድኣ ኮይኑ እዚ ፍቓድ ኣየድልይን እዩ።

ናይ ባዕልኻ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትኣቱው ኣይከኣልን እዩ

ንሕክምናኻ ዝኸውን ዝተፈልየ ወይ ዝሰፍሐ መድሕን ክህልወካ ዲኻ ትመርጽ? እዚ ገና ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ባዕልኻ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትኣቱው እትኽእል ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ። መንበሪ ፍቓድ ምስ ተቐበልካ፣ ናይ ባዕልኻ ውዕል መድሕን ጥዕና ንኽትኣቱው ናይ 4 ኣዋርሕ ግዜ ኣለካ። ከምኡ እውን ካብቲ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካሉ እዋን ጀሚርካ ናይ ባዕልኻ መድሕን ጥዕናን ወጻኢታትን ክትከፍል ኣለካ።   

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?