
ምንጪ፡ Youssef Amakran
ብመንገዲ ኢንተርነት ዝካየድ ምትላል
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ብኢ-መይል፣ ዋትስኣፕን መልእኽቲ ተሌፎንን ዝግበር ምትላል ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለመደ ይመጽእ ኣሎ። ንኣብነት ገበነኛታት ኢ-መይል ወይ መልእኽቲ ተሌፎን ተጠቒሞም ናይ ሓሶት ክፍሊት ንኽትፍጽም የስድዑኻ። ከምኡ እውን ንኣብነት ናይ ባንክኻ ዝርዝር ሓበሬታታት ንኽትመልእ ይሓቱኻ። ንኸይትታለል እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።
ብብዝሒ ዘጋጥም ብኢንተርነት ዝካየድ ምትላል
ብመንገዲ ኢንተርነት ዝካየድ ምትላል ብዝተፈላለዩ ብዙሓት ኣገባባት ከጋጥም ይኽእል። ንኣብነት ሓደ ሰብ ብዋትስኣፕ ኣቢሉ ከም ዓርኪ ወይ ቤተሰብ መሲሉ ካባኻ ገንዘብ ክልቃሕ ይደልይ። ግን ድማ ካልኦት ኣገባባት እውን ኣለዉ። እዚኦም ዓይነት ምትላላት ቀጻሊ ብብዝሒ የጋጥሙ፡
ናብ ዋትስኣፕካ ወይ ኢ-መይልካ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ (ናይ ሓሶት) ሕሳብ ምልኣኽ
ኣዚዝካ ዝገዛእካዮ ነገር ዘየለ ክነሱ ናብ ኣበጻጻሒ ፓኬት ዝወስድ ሊንክ ምልኣኽ
ብዋትስኣፕ ወይ ከም Marktplaats ብዝኣመሰሉ መርበባት-ሓበሬታት ናይ ሓሶት ጠለብ ክፍሊት ምልኣኽ
ስእለ-ጽዩፍ ብምርኣይካ ከቓልዑኻ ምዃኖም ብኢ-መይል ምህዳድ
ኢንተርነት ወይ ቴለፎን ንምዕጋት ምፍርራሕ
ብኢንተርነት ካብ ዝኻየድ ምትላል ንምክልኻል ከምዚ ክትገብር ትኽእል
ብኢንተርነት ካብ ዝኻየድ ምትላል ንምክልኻል ከምዚ ክትገብር ትኽእል
ካብ ዘይትፈልጦም ሰባት ንዝመጽኡኻ ኢ-መይላት፣ መልእኽትታት ናይ ቴሌፎን ወይ ዋትስኣፕ መልሲ ኣይትሃብ። እቲ ሰብ ሰራሕተኛ ናይ ባንክ፣ ዓርኪ ወይ ኣባል ቤተሰብ ዘምስል ምስ ዝኸውን እውን ኣይትመልስ።
ኣብ ሊንክታት ኣዚዝካ ናይ ዘይገዛእካዮም ጠለባት ክፍሊት ወይ ፓኬታት ኣይትጠውቕ
ንዝግበረልካ ናይ ምቕላዕ ታህዲድ ብፍጹም ኢድካ ኣይትሃብ
ተጠራጢርካ ዲኻ? ስለዚ ብመንገዲ ወግዓዊ፣ ሓቀኛ ቁጽሪ ተሌፎን ናይ ባንክኻ፣ ዓርክኻ/መሓዛኻ፣ ቤተሰብካ ወይ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴሌፎንካ ባዕልኻ ርክብ ግበር። ወይ ድማ ካብ ሓደ ሰብ ሓገዝ ሕተት፣ ከምኡ እውን ንመልእኽትታትካ ከምዝርእዮ ግበር።
ብኢንተርነት ናይ ዝግበር ምትላል ግዳይ እንተኾንካ ከምዚ ክትገብር ትኽእል
ብኢንተርነት ዝካየድ ምትላል ኣጋጢሙካ ድዩ? ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ውሰድ።
ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ባንክኻ ርክብ ግበር። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ባንክ ገንዘብካ ክመልሶ ይኽእል እዩ። ወይ እቶም ኣታለልቲ ካብ ሕሳብ ባንክኻ ዝያዳ ገንዘብ ከይወስዱ ክኽልክሉ ይኽእሉ።
ናብ ፖሊስ ጥርዓን ኣቕርብ።
ዘጋጠመካ ምትላል ናብ www.fraudehelpdesk.nl ሓብር። እዚ ድማ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ጥራይ እዩ ክግበር ዝከኣል።