ምንጪ፡ Flickr-Claassen Attorneys

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/4/2024 1:32 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክትፋታሕ ይከኣል እዩ። ዋላ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይተመርዓኻ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን። ፍትሕ ኣብ ናትካን ናይ መጻምድትኻን መስርሕ ዑቕባ ሳዕቤናት ክህልዎ ግን ይኽእል እዩ።

ፍትሕ ኣብ መስርሕ ዑቕባኹም ዓበይቲ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ

ንስኻን መጻምድትኻን ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክትፋትሑ ትደልዩ ዲኹም? ስለዚ እዚ ኣብ ናትካን ናይ መጻምድትኻን መስርሕ ዑቕባ ዓበይቲ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ምስ እትደልይ እውን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ደቅኹም እውን ኣብዚ ድዮም ዘለዉ? ስለዚ ንኣብነት ብዛዕባ ምክንኻኖም ስምምዓት ክትገብሩ ኣለኩም። ስለዚ ቅድሚ ምፍታሕኩም ምስ ጠበቓኹም ተማኸሩ።

ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም፡ 

  1. ንስኻን መጻምድትኻን ክልተኹም ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ኢኹም ትርከቡ ስለዚ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንሕቶታት ዑቕባኹም ብተናጸል እዩ ዘመስርሖ። ንክልተኹም ኣይኮነን ድዩ ኣብ መበቆል ሃገርኩም ሓደጋ ዘስግኣኩም? ስለዚ IND ካባኻትኩም ሓደ ጥራይ ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎ ክግምግም ይኽእል እዩ። 

  2. መጻምድትኻ ኣብ ወጻኢ ሃገር እያ እትርከብ ዑቕባ ድሕሪ ምርካብካ ንመጻምድትኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትደልይ ዲኻ፣ ግን ድማ ተፋቲሕኩም ዲኹም? ስለዚ IND ደጊም መጻምድቲ ከምዘይኮንኩምን ንመጻምድትኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ከምዘይትኽእልን ክውስን ይኽእል እዩ።

ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑኩም ናብ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ናይ COA ኪዱ

ኣብ መዕቆቢ ምስ መጻምድትኹም ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑኩም ንሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ናይ COA ንገሩ፣ ክሕግዝኹም ዝኽእሉ እንተኾኑ ድማ ሕተቱ። 

ንፍትሕ ቅድሚ ምውሳን፣ ፍወሳ ዝምድና ንምግባር ኣብ ግምት ክኣቱው ይከኣል እዩ

ንኽትፋታሑ ቅድሚ ምውሳንኩም፣ ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ ጸገማትኩም ምስ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ድማ ንጸገማት ዝምድናኹም መፍትሒ ንምርካብ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ 'ፍወሳ ዝምድና' ይበሃል።

ኣብ ኔዘርላንድ ሰባት ኣብ እዋን ዝምድናዊ ጸገማት ካብ ኣዕሩኽቶምን ቤተሰቦምን ንላዕሊ ካብ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ሓገዝ ንኽሓቱ ዝያዳ ይመርጹ። ኣብ ኔዘርላንድ ንጸገማት ሓዳር መፍትሒ ንምርካብ ምስ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ወይ ኣሰልጣኒ ናይ ዝምድና ፍወሳ ምግባር ኣዝዩ ንቡር እዩ። ካብ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ሓገዝ ንምርካብ ንሓኪምካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ ብሓገዝ ናይ ጠበቓ ኢኻ እትፋታሕ

ንኽትፋታሕ ስቕ ኢልካ ባዕልኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ፍትሕ እንተድኣ ደሊኻ ጠበቓ የድልየካ። ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ምስ ዘይህልወካ ድማ ናይ ፍትሕ ፍሉይ-ሞያ ዘለዎን ብዛዕባ ሕጊ ኢሚግሬሽን ኣፍልጦ ዘለዎን ጠበቓ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ጠበቓ ፍትሕ ናብ ቤት-ፍርዲ ከመልክት ኣለዎ። 1 ካብቶም መጻምድቲ ክፋታሕ ምስ ዘይደልይ እውን በይንኻ ፍትሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ክትፋታሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ዳኛ ይውስን። ፍትሕ ንኸተመልክት ክትክእል ግን ኣብ ኔዘርላንድ ን1 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝተቀመጥካ ክትከውን ኣለካ።

መጻምድትኻ/ኺ ኣብ ወጻኢ ሃገር ድዩ ዝነብር? ከምኡ እውን መጻምድትኻ/ኺ ድሮ ኣብኡ ፍትሕ ንምግባር ኣመልኪቱ ድዩ? ስለዚ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ባዕልኻ ከምኡ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ እቲ ኣብታ ካልእ ሃገር ዝርከብ ዳኛ እዩ ነቲ ፍትሕ ናይ ምዝዛም ሓላፍነት ዘለዎ።

ኣብ ኔዘርላንድ ፍትሕ ኩሉ ግዜ ሕጋዊ ኩነት እዩ። ጠበቓኻ ኣብ ኩነትካ እንታይ ከተዋድድ ከምዘለካን ብኸመይ ክትገብሮ ከምዘለካን ምሳኻ ክዘራረብ እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ኣለዉኹም ድዮም? ስለዚ ንኣብነት ብዛዕባ ምክንኻኖም ስምምዓት ክትገብሩ ኣለኩም።

ምስ መጻምድትኻ ባእሲ ምስ ዝህልወካ መንጐኛ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ

ምስ መጻምድትኻ ፍትሕ ንምውዳድ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ከቢድ ባእሲ ኣለካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ሓደ መንጐኛ ከተሳትፍ እውን ትኽእል ኢኻ። መንጐኛ ገለልተኛ እዩ፣ ከምኡ እውን ንፍትሕኩም ብዝምልከት ጽቡቕ ስምምዓት ኣብ ምግባር ንዓኻን ንመጻምድትኻን ይድግፈኩም።

ፍትሕ ገንዘብ ይሓትት እዩ

ንኽትፋታሕ ገንዘብ ይሓትት እዩ። ንጠበቓ ምናልባት እውን ንመንጐኛ ክትከፍሎም ኣለካ። መጠን ናይዚ ገንዘብ ኣብ ኣታዊኻን ውህሉል ገንዘብካን ዝምርኮስ እዩ። ዳኛ ድማ ብመንገዲ ናይ ጠበቓኻ ሓገዝ ነቲ ፍትሕ ክትከፍሎ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ወይ ኣብ እዋን ፍትሕ ገንዘባዊ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።

ጠበቓን መንጐኛን ብኸምዚ ኢኻ እትረክብ

ኣብ እዋን ፍትሕ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ። ባዕልኻ ጠበቓ ወይ መንጐኛ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ፣ እንተኾነ ግን ካብዚ ዝስዕብ ሓገዝ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ፡ 

  • ናይ VWN ኣማኻሪኻ ብዛዕባ ፍትሕ ዝያዳ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኩነትካ ድማ ይመኽረካ።

  • ሰደቓ ሕጊ (Het Juridisch Loket) እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታኦም ብዛዕባ ኣብ ጥቓኻ ዝርከቡ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ዝርርብ ኣተርጓሚ ምስ ዘድልየካ ድማ ክትነግር እውን ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?