ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Een gang in een tijdelijke opvanglocatie voor mensen die asiel aanvragen in Nederland.

ምንጪ፡ RefugeeHelp / Aline Bleeker

ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር? ከመይ ከም ዝረኸብካዮ ሓብረና

ዝተሓትመሉ ኣብ: 13/9/2023 2:12 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ብዙሓት ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት ንሕግታት ኤውሮጳ ዘየማልኡ ምዃኖም ብመጽናዕቲ ተጋሂዱ። ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር? ከምኡ ምስ ዝኸውን ንተወሳኺ መጽናዕቲ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ተመኩሮታትካ ከተካፍል ትኽእል ኢኻ።

ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት ነቶም ቅድመ-ኩነታት ኣየማልኡን እዮም

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VWN
ኣብ 22 ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ፣ ከምኡ እውን ምስ 92 ነበርቲ ተዘራሪቡ። ካብቶም ናብ ነበርቲ ዝተገብሩ ምብጻሓትን ዝተገብሩ ዝርርባትን ድማ እቲ ግዝያዊ መዕቆቢ መብዛሕትኡ ግዜ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ንሕግታት ኤውሮጳ
ዘየማልእ ምዃኑ ተጋሂዱ።

እቲ መዕቆቢ ዘየማልኦም ኣገደስቲ ቅድመ-ኩነታት እዚኦም ዝስዕቡ እዮም

  • ኣብ መብዛሕትኦም ቦታታት ሕክምናዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክንክን የለን። ኣብ ብዙሕ ቦታታት እውን ጽሩይ መሕጸቢ ሰብነት ወይ ሽቓቓት ኣዝዮም ሒደት እዮም ወይ የለዉን።

  • ኣብ ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ዝተበጽሑ ቦታታት፣ ነበርቲ ብሕትና ወይ ህዱእ መደቀሲ ቦታታት ኣይነበሮምን።

  • ኣብ ገሊኦም ቦታታት ነበርቲ እኹል መግቢ ኣይረኽቡን፣ ወይ ድማ ብቕዓት ናይቲ መግቢ ጽቡቕ ኣይኮነን።

  • መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት ነበርቲ ክሳተፍዎ ዝኽእሉ ንጥፈታት የለን። ከም ትምህርቲ ቋንቋ ወይ ስፖርት ዝኣመሰሉ።

እዚ ሕማቕ ኩነታት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጸቕጢ ከም ዘስዕበሎም መብዛሕትኦም ነበርቲ ይሕብሩ። ሓለውቲ ጸጥታን ኣመሓደርቲ ቦታታትን ሓደ ሓደ ግዜ ንነበርቲ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝገብሩሎም እውን 35 ሚእታዊት ካብቶም ቃለ-መሕትት ዝተገብረሎም ነበርቲ ይሕብሩ።

VWN ነዚ ዝገብሮ ካብ ዝርዝር-ሕቶታት ብዝረኸቦ ሓበሬታ እዩ

ነቲ ዝርዝር-ሕቶታት ምምላእ ድማ VWN ብዛዕባ ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት ተወሳኺ መጽናዕቲ ከካይድ ከም ዝኽእል ይገብር። ንኣብነት VWN ኣየኖት መዕቆቢ ቦታታት ነቶም ቅድመ-ኩነታት ከምዘኽብሩን ኣየኖት ድማ ከምዘየኽብሩን ይምርምር።

ነቲ ውጽኢት ተጠቒሙ ድማ VWN ንኣብነት እቶም ሓላፍነት ናይቲ መዕቆቢ ዘለዎም ሰባት ነቶም ሕግታት ከምዘኽብሩ ክገብር ይደልይ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?