ኣብ ኔዘርላንድ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምድጋፍ፣ ናይ ህድማ ታሪኽካ ዘረጋግጹ መበቆላዊን ወግዓዊን ሰነዳት ከተርእይ ኣገዳሲ እዩ።
ምንጪ፡ Shutterstock, Wasaphol Premprim
ዜና

IND ንሕቶታት ዑቕባ ብዝተፈልየ ኣገባብ ክግምግም እዩ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 21/5/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ኣገማግማ ሕቶታት ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ይቕየር ኣሎ። ውልቃዊ ገምጋም ኣገዳሲ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ ከም ሓታቲ ዑቕባ መጠን ንታሪኽካ ብዝተኻእለ መጠን ብብዙሓት ሰነዳት ከተረጋግጽ ኣለካ።

ዘመልከትካዮ ዑቕባ ሕጂ እውን ብመሰረት ኣብ ዋዕላ ስደተኛታት ዝርከቡ ሕግታት እዩ ዝግምገም

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ሕጂ እውን ንዑቕባ ዝምልከቱ ኣህጉራዊ ሕግታት ከኽብር ኣለዎ። እንተኾነ ግን ንዝቐርቡ ሓደስቲ ሕቶታት ዑቕባ ብዝተፈልየ ኣገባብ እዮም ክግምግሙ። ስለዚ እቶም ንዑቕባ ዝምልከቱ ሕግታት ኣይቕየሩን እዮም፣ መንግስቲ ኔዘርላንድ ነቶም ሕግታት ዘተግብረሉ ኣገባብ ግን ክቕየር እዩ። ዑቕባ ኣብ እትመልክተሉ እዋን ምናልባት ነዚ ብዙሕ ዘይተስተብህለሉ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ከተቕልበሎም እትኽእል ውሑዳት ነገራት ኣለዉ።

ሰነዳትካ ንእተመልክቶ ዑቕባ ዝያዳ ኣገደስቲ ይኾኑ

ዑቕባ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ንታሪኽካ ዘረጋግጹ ሰነዳት ከተረክብ ሕጂ ድሮ ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪ ዝተገብረ ናይ ፖሊሲ ለውጢ፣ IND ነዞም ሰነዳት ብዝተፈልየ ኣገባብ ክርእዮም እዩ። መበቆላዊን ወግዓውን ሰነዳት ምስ እተቕርብ IND ንታሪኽካ ዝያዳ ቀልጢፉ ክኣምኖ እዩ።

መበቆላዊን ወግዓውን ሰነዳት እንተድኣ ዘይብልካ ኮይኑ፣ ታሪኽካ ብIND ተኣማንነት ንኽረክብ ብርክት ዝበሉ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡

  • ስለምንታይ ገሊኦም ሰነዳት ከም ዘይብልካ ግለጽ። ነዚ ምስ IND ኣብ ዝህልወካ 2ይ ቃለ-መሕትት ኢኻ እትገብሮ።

  • ሰነዳት ንምርካብ ዝከኣለካ ኩሉ ከም ዝገበርካ እውን ኣርእይ። ነዚ ንኣብነት፣ ሰነዳት ንኽትሓትት ናብ ስድራ-ቤት ወይ ኣብ መበቆል ሃገርካ ናብ ዝርከብ መንግስቲ ዝሰደድካዮም ኢ-መይላት ወይ ደብዳቤታት ብምርኣይ ክትገብሮ ትኽእል።

ውልቃዊ ኩነትካ ዝዓበየ ግደ ክህልዎ እዩ

IND ንጉጅለታትን መበቆል ሃገራትን ዝምልከት ፖሊሲ እውን ከስተኻኽሎ እዩ። ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ዝግምገመሉ እዋን እቲ ኣባል ዝኾንካሉ ጉጅለ ዘይኮነስ፣ ንስኻ ከም ውልቀ-ሰብ ኢኻ ዝያዳ ኣገዳሲ እትኸውን። IND ብፍላይ ኣብ መበቆል ሃገርካ ስለምንታይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኻ ክፈልጥ እዩ ዝደልይ። IND ብዛዕባ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ ሓፈሻዊ ኩነታት ድሮ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ምስ IND ኣብ እትገብሮም ቃለ-መሕትታት ብውልቂ እንታይ ከም ዘጋጠመካ ንገር።

ዝያዳ ክትፈልጥ እንተድኣ ደሊኻ ናብ VluchtelingenWerk ተወከስ

እዚ ለውጢ እዚ፣ ብሰንኪ እተን ንኔዘርላንድ ብሓባር ከመሓድራ ዝደልያ 4 ሰልፊታት ፖሊሲ ዑቕባ ጽኑዕ ንምግባር ዝተሰማምዓሉ ውጥን ዝሰዓበ ኣይኮነን። IND ንኣገባብ ኣገማግማ ሕቶታት ዑቕባ ዘስተኻኽለሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ ኣብ ኔዘርላንድን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝቐርብ ሕቶ ዑቕባ ዝግበር ኣገማግማ ኣዝዩ ብዙሕ ፍልልይ ብሰንኪ ምህላዉ እዩ። እቲ ሓድሽ ፖሊሲ መዓስ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕልን፣ ብተግባር ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ገና ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ። ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፣ ወይ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ኣገማግማ ዝያዳ ክትፈልጥ ምስ እትደልይ ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ንጠበቓኻ ተወከስ።

ብዛዕባ ቅድመ-ኩነታት ምሕታት ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ኣንብብ
ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ድማ ይግምግም።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?