ብኸምዚ ኢኻ ገዛ ትረክብ
መንበሪ ፍቓድ ምስ እትቕበል፣ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዕቚባ (COA) ምስ ሓደ ምምሕዳር ከተማ የጋጥመካ። COA ምስቲ ኣብ ጥቓ እቲ ክትሰርሓሉ እትኽእል ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ከጋጥመካ ይፍትን። ምስ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ምስተጋጠምካ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝሰማማዓካ ገዛ ክደልይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ዝርከብ ማሕበራዊ ኣባይቲ እዩ። እዚኦም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ብተመጣጣኒ ዋጋ ክካረይዎም ዝኽእሉ ኣባይቲ እዮም።
እንታይ ዓይነት ገዛ እየ ዝረክብ?
ስድራ ዘለካ ምስ እትኸውን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ስድራ-ቤት ዝኸውን ገዛ እዩ ዝምደበልካ።
መንእሰይን ንውልቅኻን እንተድኣ ኮይንካ ድማ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ ካልኦት ደለይቲ ኣባይቲ ክፍሊ ትረክብ። ንኣብነት ምስ ተምሃሮን ዝሰርሑ መንእሰያትን።
ኣስተውዕል፡ ብሓደ ምምሕዳር ከተማ ዝቐርብ መንበሪ ቤት ክትቅበል ግዴታ ኣለካ። ከምኡ እንተድኣ ዘይገይርካ ካልእ ገዛ ኣይቐርበልካን እዩ።
ኣስተውዕል፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኔዘርላንድ ካብ (ክራይ) ገዛውቲ ንላዕሊ ደለይቲ ገዛ ይበዝሑ። እዚ ብሰንኪ ቅልውላው ኣባይቲ እውን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ገዛ ክሳብ ዝቐርበልካ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።
ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ምጽናሕ
ድሮ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መንበሪ ገዛ ኣይተረኽበልካን? ከምኡ ምስ ዝኸውን ምስ ሓንቲ ኔዘርላንዳዊት ኣአንጋዲት ስድራ-ቤት ንግዚኡ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ብመንገዲ Takecarebnb ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ኣብኡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን፣ ንኔዘርላንድ ብዝበለጸ ክትፈልጣ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንኔዘርላንዳውያን ብዝያዳ ትላለዮምን ምስኦም ብምዝርራብ ድማ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትመሃርን። ኣብቲ እትጸንሓሉ እዋን፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገዛ ንምርካብ ኣብ ዝርዝር ተጸበይቲ ክትጸንሕ ኢኻ።