
ምንጪ፡ Flickr-LN (Lukanoon)
ካብ መዕቆቢ ናብ ገዛኻ ትግዕዝ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ውዕል ክራይ ድሕሪ ምፍራምካ ናብቲ ሓድሽ ገዛኻ ንኽትግዕዝ ናይ 2 ሳምንታት ግዜ ኣለካ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ብዙሕ ነገራት ከተዋድድ ኣለካ። ብዛዕብኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትምዝገብ
ውዕል ክራይ ድሕሪ ምፍራምካ፣ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝርከብ
ኣብ
መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ትሓትት
ካብ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ዝርከብ ዝኾነ ወይ እኹል ኣታዊ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይኑ፣ ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ድማ 'ማሕበራዊ ጥቕሚ' ወይ 'ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ' ይበሃል። እዚ ክትነብረሉ ዘኽእለካ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ገንዘብ እዩ። ንኣብነት ካብዚ ክራይ ገዛኻ ትኸፍል።
ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ -bijstandsuitkering- ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ ድዩ? ስለዚ ካብቲ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ዘመልከትካሉ ዕለት ጀሚርካ ኢኻ ነዚ እትቕበሎ፣ እምበር ቅድሚኡ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ኣብ ግዚኡ ከም እተመልክት ኣረጋግጽ። ብኸምዚ ድማ ውሑድ ገንዘብ ንኸይትረክብ ከተወግድ ትኽእል።
ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ፣ ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ ኣብ ምምልካት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ንኣቑሑት ገዛኻ ዝኸውን ገንዘብ ምልቓሕ
ኣብ መብዛሕትአን ምምሕዳራት ከተማ ነቲ ናይ መጀመርታ ገዛኻ ኣቑሑት ንኽትገብረሉ ልቓሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ልቓሕ ኣቑሑት-ገዛ ይበሃል። መጠን ናይቲ ልቓሕ ኣቑሑት-ገዛ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ።
እዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ልቓሕ እዩ። እዚ ማለት ኣብ መወዳእታ ነቲ ንኣቕሑት ገዛ ዝተለቃሕካዮ ገንዘብ ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ክትመልሶ ኣለካ ማለት እዩ። ኣብ ገሊአን ምምሕዳራት ከተማ ነቲ ገንዘብ ትቕበሎ እሞ ክትመልሶ ድማ ኣየድልየካን። እዚ ብኸመይ ከም ዝዋደድ ንናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ናይ ምምሕዳር ከተማ ሕተት።
ውዕላትን መድሕናትን ምፍጻም
ኣብ ገዛኻ ክትነብር ንኽትክእል ዝተወሰኑ ውዕላት ክትፍጽም ኣለካ። ንኣብነት፡
ናይ ኤሌክትሪክን ጋዝን ውዕል
ናይ ማይ ውዕል
ናይ ተሌቪዥንን ኢንተርነትን ውዕል
ናይ ትሕዝቶ ቤት መድሕን
ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ካብቲ መዕቆቢ ለቂቕካ ትወጽእ ከምዘለኻ ንCOA ኣፍልጥ
ገዛ ትግዕዝ ከምዘለኻ ንኸተፍልጦም፣