ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • ውዕል መድሕን ጥዕና ምምራጽ
ሓደ ሰብ ካልኩሌተር ይጥቀምን ሰነዳት ይመልእን
ምንጪ፡ Pavel Danilyuk

ውዕል መድሕን ጥዕና ምምራጽ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 13/9/2023 3:19 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ውዕል መድሕን ጥዕና ክትኣቱው እንከለኻ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ጥምሮታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እንታይ ዓይነት ክንክን ከም ዘድልየካ ምሕሳብ ድማ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። ብድሕሪኡ ምስ ድሌታትካ ዝሰማማዕ ጥምሮ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

እዚኦም እቶም ቀንዲ መለለዪታት ናይ መሰረታዊ መድሕን እዮም

  • ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር ወይ ትሰርሕ ምስ እትኸውን፣ መሰረታዊ መድሕን ግዴታ እዩ። ንቆልዑት እውን።

  • እቲ መሰረታዊ ጥምሮ ብመንግስቲ ዝውሰን እዩ። ትሕዝቶ ናይቲ መሰረታዊ ጥምሮ ነፍስወከፍ ዓመት ክቕየር ይኽእል እዩ። መንግስቲ ንመጠን ናይቲ ባዕላዊ ብጽሒት እውን ነፍስወከፍ ዓመት ከም ብሓድሽ የቐምጥ።

  • እቲ ባዕላዊ ብጽሒት ንገሊኦም ዓይነታት ክንክን ኣይምልከትን እዩ፣ ከም በዓል ክንክን ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ክንክን ስነ-መወልዳን ዝኣመሰሉ። ብዛዕባ እዚ ባዕልኻ ገንዘብ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ።

  • ሓደ ትካል መድሕን ንመሰረታዊ ጥምሮ ብዝምልከት ንኽቕበለካ ግዴታ ኣለዎ።

  • ዋጋ ናይ ሓደ መድሕን ጥምሮ ንነፍስወከፍ ሰብ ማዕረ እዩ። ስለዚ ኣብ ሓደ ትካል መድሕን ዝርከብ ነፍስወከፍ ሓደ ዓይነት ጥምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ሓደ ዓይነት ዋጋ ይኸፍል። ዕድመኻ ክንደይ ምዃኑ ወይ ጥዑይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ብዘየገድስ።

እዚኦም እቶም ቀንዲ መለለዪታት ናይ መመላእታ መድሕን እዮም

  • ብመንገዲ መመላእታ መድሕን (ንክፋል ናይቲ) ኣብ መሰረታዊ ጥምሮ ዘይተኻተተ ክንክን ሸፈነ ትረክብ። ንኣብነት ኣብ ሓኪም-ስኒ ንእትገብሮ ተወሳኺ ወጻኢታት ሕክምና ዝኸውን።

  • ዝተፈላለዩ ጥምሮታት ኣለዉ፣ ኩሎም ድማ መመላእታ ናይቲ መሰረታዊ መድሕን እዮም። ንነፍስወከፍ ጥምሮ ዝምልከቱ ቅድመ-ኩነታትን መሕወይ ክፍሊታትን ብዝምልከት እቲ ትካል መድሕን እዩ ዝውስን።

  • መመላእታ መድሕን ምግባር ግዴታ ኣይኮነን። ንዘድለየካ ጠለባት ብዝበለጸ ዝሰማማዕ መመላእታ መድሕን ድማ ምረጽ።

  • ትካል መድሕን ንመመላእታ መድሕን ብዝምልከት ክነጽገካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብዙሕ ክንክን ንዘድልዮም ኣረጋውያን። ብተግባር እዚ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?