ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Een vrouw schrijft op een notitieblok naast haar laptop

ምንጪ፡ Roberto Hund

ምውህሃድ ብዝምልከት ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 27/9/2023 9:49 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ዕድሜኻ ካብ 18 ​​ክሳብ 67 ዓመት ድዩ? ስለዚ መንግስቲ ኔዘርላንድ ክትመሃርን ምስ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ክትላለይን ከምዘለካ ይጠልብ እዩ። እዚ ድማ ምውህሃድ ይበሃል። መዓስን ብኸመይን ምውህሃድ ከም እትጅምር ኣብዚ ኣንብብ።

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ክትወሃሃድ ኣለካ

ዕድሜኻ ካብ 18 ​​ክሳብ 67 ዓመት ድዩ፣ ከምኡ እውን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን መንግስቲ ኔዘርላንድ ክትወሃሃድ ከምዘለካ ይጠልብ እዩ። ምውህሃድ ማለት ቋንቋ ኔዘርላንድን ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድን ትመሃር ማለት እዩ።

ነዚ ንምግባር ስልጠናታት ክትከታተልን ናይ ምውህሃድ ፈተናታት ክትወስድን ኣለካ።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO)
ድማ እዩ ኣብ ኔዘላንድ ንምውህሃድ ዘዋድድ።

ንምውህሃድ ዝምልከት ደብዳቤ ካብ DUO ክትቕበል ኢኻ

መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ ንምውህሃድ ዝምልከት ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ ካብ DUO ብፖስታ ኣብ ውሽጢ 8 ሳምንታት ክመጽኣካ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ክትወሃሃድ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ ትቕበል ኢኻ። ንኽትወሃሃድ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዘለካ ዝገልጽ እውን። ሓደ ሓደ ግዜ 2 ደብዳቤታት ይመጸካ፡ ክትወሃሃድ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤን ንኽትወሃሃድ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤን።

እዚኦም ሕግታት እዚ ንዓኻ ዝምልከቱ እዮም

ኔዘርላንድ ክልተ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ሲቪካዊ ምውህሃድ ኣለዋ፡ ስርዓት ምውህሃድ ካብ 2013 ጀሚሩ፣ ከምኡ እውን ስርዓት ምውህሃድ 2021። ንኽልቲኦም ስርዓታት ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣለዎም።

ኣየኖት ሕግታት ከም ዝምልከቱኻ ንምፍላጥ፣ ኣብቲ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካ ዝገልጽ ካብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ዝመጸ ደብዳቤ ተመልከት። እዚ ድማ 'beschikking' ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እቲ ካብ DUO ዝመጸ ደብዳቤን፣ ኣብ inburgeren.nl ዝርከብ ውልቃዊ ፋይልካን ኣየናይ ስርዓት ሲቪካዊ ምውህሃድ ከም ዝምልከተካ እውን ይገልጹ እዮም።

ብዛዕባ ሲቪካዊ ምውህሃድ ኣብ ውልቃዊ ኩነትካ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ኣብዚ ታሕቲ ኣየናይ ስርዓተ ሲቪካዊ ምውህሃድ ከም ዝምልከተካ ምረጽ፡

ኣብቲ ደብዳቤ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበሬታ ተጠቒሱ ይርከብ

እቲ ካብ DUO እትቕበሎ ደብዳቤ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ደብዳቤ ምውህሃድ ብዝምልከት ዳሕራይ ዘድልዩኻ 3 ነገራት ተጠቒሶም ኣለዉ፡

  • ምውህሃድ መዓስ ክትጅምር ከምዘለካ።

  • ንኽትወሃሃድ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዘለካ። መንግስቲ ነዚ 'ናይ ምውህሃድ ገደብ-ግዜ' ኢሉ ይጽውዖ። መብዛሕትኡ ግዜ ንኽትወሃሃድ 3 ዓመት ኣለካ።

  • ኣብ ኔዘርላንድ 2 ዝተፈላለዩ ስርዓታት ናይ ምውህሃድ ኣለዉ። ኣብ ኣየናይ ስርዓት ክትወሃሃድ ከምዘለካ ድማ ኣብቲ ናይ DUO ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ።

ብመሰረት 1 ካብ 2 ሕግታት ክትወሃሃድ ኣለካ

ኣብ ኔዘርላንድ ንምውህሃድ ዝምልከቱ 2 ዝተፈላለዩ ሕግታት ኣለዉ። ኣብቲ ካብ DUO እትቕበሎ ደብዳቤ ንዓኻ ኣየናይ ሕጊ ከም ዝምልከተካ ተጠቒሱ ይርከብ። ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነትካ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ታሕቲ ኣየናይ ስርዓተ-ምውህሃድ ከም ዝምልከተካ ምረጽ፡

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?