ዜናዕዳጋ
ገንዘብ ካብ ማሕፉዳ
ምንጪ፡ Leefgeld
ሓበሬታ
ካብ DUO ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 16/11/2023 3:47 ድ.ቀ.

ንናይ ምውህሃድ ስልጠናኻን ንፈተናታትካን ባዕልኻ ክትከፍሎም ኣለካ። ቤት-ትምህርትኻ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ዘማልእ እንተድኣ ኮይኑ፣ ንናይ ምውህሃድ ስልጠናን ፈተናታትን ካብ መንግስቲ ብእትረኽቦ ልቓሕ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።

ካብ DUO ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ንናይ ምውህሃድ ስልጠናኻን ንፈተናታትካን ዝኸውን ገንዘብ ካብ መንግስቲ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ኣብ

ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO
) ክግበር ይከኣል።

ምውህሃድካ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ምውህሃድ ገደብ-ግዜ እንተድኣ ወዲእካ ነቲ ልቓሕ ክትመልሶ ኣየድልየካን እዩ። ናይ ምውህሃድ ፈተናኻ ኣብ ግዚኡ ክትሓልፍ ኣይከኣልካን ዲኻ? ከምኡ እውን DUO ናይ ምውህሃድ ግዜኻ ንኽናዋሕ ፍቓድ ኣይሃበካን ድዩ? ስለዚ ነቲ (ክፋል ናይቲ) ልቓሕ ናብ DUO ክትመልሶ ኣለካ። ክንደይ ክትመልስ ከምዘለካ ድማ ኣብ መጠን ናይቲ ዝተለቃሕካዮ ገንዘብ እዩ ዝምርኮስ።

ንምውህሃድካ ዝኸውን ገንዘብ ንምልቃሕ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት

ንምውህሃድካ ዝኸውን ገንዘብ ካብ DUO ክትልቃሕ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ መለለዪ ብቕዓት

'Blik op Werk'
ዘለዎ ቤት-ትምህርቲ ክትመርጽ ኣለካ።

ንናይ ምውህሃድ ስልጠናኻን ንፈተናታትካን ዝኸውን ገንዘብ ካብ DUO ክትልቃሕ እትኽእል ነዘን ኣብያተ-ትምህርቲ ጥራይ እዩ። እዚ ንኻልኦት ኣብያተ-ትምህርቲ ዝከኣል ኣይኮነን።

'Zoek inburgeringsschool'
ኣብቲ 'Zoek inburgeringsschool' ዝብል መርበብ-ሓበሬታ ኣብ ከባቢኻ ዝርከባ ናይ ምውህሃድ ኣብያተ-ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እዚ መጠን ገንዘብ ካብ DUO ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ

ካብ DUO ኣብ ነፍስወከፍ 3 ኣዋርሕ እንተበዝሐ €1,250 ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መጠን ገንዘብ ተሞርኲሰን ድማ ኣብያተ-ትምህርቲ ክንደይ ናይ ምምሃር ሰዓታት ክህባኻ ከም ዝኽእላ ይቕምራ። በዚ ኣብ መብዛሕትአን ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ሰሙን እንተበዝሐ 9 ሰዓታት ትምህርቲ ትረክብ። ተወሳኺ ናይ ምምሃር ሰዓታት ምስ ዘድልየካ ብዛዕብኡ ምስቲ ቤት-ትምህርቲ ተዘራረብ።

ገንዘብ ናብ DUO ምምላስ

ናብ DUO ገንዘብ ክትመልስ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ ብዛዕባ እዚ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ክንደይ ክትመልስ ከምዘለካ ድማ ኣብቲ ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ። ነዚ ምግባር መዓስ ክትጅምር ከምዘለካ እውን።

ነቲ ልቓሕ ኣብ 1 ግዜ ክትመልሶ ኣየድልየካን እዩ። ነዚ ንምግባር ብድምር ናይ 10 ዓመት ግዜ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ድማ ሓደ ዓይነት መጠን ገንዘብ ናብ DUO ትኸፍል። DUO ነዚ ብኣውቶማቲክ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ እዩ ዝወስዶ።

ኣስተውዕል፡ ልቓሕ ስለዝኾነ ወለድ ክትከፍል (ትኽእል) ኢኻ። እቲ ክትከፍሎ ዘለካ መጠን ወለድ ን5 ዓመታት ማዕረ ኮይኑ እዩ ዝጸንሕ። ድሕሪ እተን 5 ዓመታት ድማ እቲ ሚእታዊት ክቕየር ይኽእል እዩ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?