ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Een man praat met een medewerker van de gemeente.

ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Goedele Monnens

ምምሕዳር ከተማ ዝርርብ ንኽትገብር ይዕድመካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/10/2023 7:59 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንምውህሃድ ዝምልከት ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ እቲ እትነብረሉ ወይ ክትነብረሉ እትኸዶ ምምሕዳር ከተማ ዝርርብ ንኽትገብር ክዕድመካ እዩ። ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ሓደ ተጸዋዒ-ሰብ ክምደበልካ እዩ፣ ምስኡ ድማ ምውህሃድ ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ዝርርባት ክትገብር ኢኻ።

ናብ ቆጸራ ክትመጽእ ግዴታ ኣለካ

ካብ ምምሕዳር ከተማ ብደብዳቤ ዕድመ ክትቅበል ኢኻ። ኣብቲ ደብዳቤ መዓስ 1ይ ዝርርብ ንምግባር ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትመጽእ ከምዘለካ ተጠቒሱ ይርከብ። ናብቲ ቆጸራ ንኽትመጽእ ድማ ግዴታ ኣለካ። ኣብቲ ደብዳቤ ኣብ ዝተጠቕሰ ዕለት ክትመጽእ ኣይትኽእልን ዲኻ? ስለዚ ምስ ምምሕዳር ከተማ ርክብ ግበር።

ብኸመይ ብዝበለጸ ክትወሃሃድ ከም እትኽእል ምስ ምምሕዳር ከተማ ትምርምር

ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክትወሃሃድ ትኽእል ኢኻ። ምስቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ብሓባር ሒደት ዝርርባት ብምግባር ኣየናይ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዓካ ክትምርምር ኢኻ።

እዞም ዝርርባት ዝጅምሩሉ ዕለት ንነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ገሊኦም ምምሕዳራት ከተማ ገና ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC)
እናሃለኻ 1ይ ቆጸራ ይህልወካ። ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ከተማ ድማ እቶም ዝርርባር ዝጅምሩ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ምስተዋህበካ ጥራይ እዩ።

ግዴታዊ ፈተና ትገብር

ምስ ምምሕዳር ከተማ ዝርርባት ኣብ እትገብረሉ እዋን ፈተና እውን ክትገብር ኢኻ። ብመንገዲ እዚ ፈተና ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣየናይ ኣገባብ ምውህሃድ ምሳኻ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዕ ይምርምር። እቲ ውጽኢት ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ደረጃ ቋንቋ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
B1
ክትበጽሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ገምጋማዊ ግምት ይህብ።

እዚ ፈተና ግዴታ እዩ። ኣብኡ ምስ ዘይትሳተፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ መቕጻዕቲ ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።

'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን'

'መንገዲ-B1' ወይ 'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' እንተድኣ ትኽተል ኮይንካ፣ 'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን' (MAP) ክትከታተል ኣለካ። ኣብዚ ክፍለ-ስልጠና ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕን ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ምስታፍን ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ናይ ስራሕ ተመኩሮ እውን ትገብር። እቲ MAP ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል እዩ፡

  1. ምስ ምምሕዳር ከተማ ዝግበር ናይ መጀመርታ ዝርርብ፡ ኣብዚ ዝርርብ እንታይ ክትገብር ምዃንካ ብዝምልከት ትዘራረብ።

  2. ሓበሬታ ብዛዕባ ዕዳጋ ዕዮ ናይ ኔዘርላንድ።

  3. ናይ 40 ሰዓታት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ምግባር፡ ንኣብነት ብመንገዲ ወለንታዊ ስራሕ፣ ልምምድ ስራሕ ወይ ምብጻሕ ውድባትን ትካላትን።

  4. ምስ ምምሕዳር ከተማ ዝግበር ናይ መዛዘሚ ዝርርብ፡ ኣብዚ ዝርርብ እንታይ ከም ዝተማሃርካ፣ እንታይ ዓይነት ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትደልይን፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ እትረኽቦ ሓገዝን ብዝምልከት ትዘራረብ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ድሕሪ 1 ጥሪ 2022 ምውህሃድ ምጅማር

ኣብዚ መርሓ ስጉምቲ