ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ስርዓት ሲቪካዊ ምውህሃድ 2021

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 20/3/2023 1:52 ድ.ቀ.

እንተድኣ ካብ Dienst Uitvoering Onderwijs (DUO) ኣብ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ወይ ድሕሪኡ ብዛዕባ ግዴታ ሲቪካዊ ምውህሃድ ደብዳቤ መጺኡካ፣ ንዓኻ ስርዓት ሲቪካዊ ምውህሃድ 2021 ይምልከተካ እዩ ። ኣብዚ ገጽ እዚ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ምምሕዳር ከተማ ብሓባር ብምዃን ሓደ ውጥን ተዳሉው

ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ተጸዋዒ-ሰብ ማለት ኮንታክትፐርሶን ክምደበልካ እዩ። መጀመርታ ምስ ናትካ ኮንታክትፐርሶን ዝርርብ ክህልወካ እዩ፣ ከምኡ እውን ፈተና ትገብር። ሽዕኡ እቲ ምምሕዳር ከተማ ማዕረ ክንደይ ቀልጢፍካ ክትመሃር ከም እትኽእል ይምርምር። ብድሕሪኡ ድማ ምስ ናትካ ኮንታክትፐርሶን ብሓባር ብምዃን ናይ ምውህሃድካ ውጥን ተዳሉው። እዚ ድማ undefinedውጥን ምውህሃድን ተሳትፎንundefined (PIP) ይበሃል።

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ ምምሕዳር ከተማ ንናይ ምውህሃድ ስልጠናኻን ፈተናታትካን ክኸፍለልካ እዩ። ፈተና ኣይሓለፍካን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ዳግማይ ክትወስዶ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ምምሕዳር ከተማ ንፈተና 1 ተወሳኺ ግዜ ይኸፍል። ብድሕሪኡ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ። ነዚ ዝኸውን ልቓሕ ካብ

DUO
ክትረክብ ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ።

3 ናይ ምውህሃድ መንገድታት

ናትካ መንገዲ ምውህሃድ ኣብቲ ናትካ PIP ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ ስርዓት ምውህሃድ 3 ተኽእሎ መንገድታት ኣለዉ። ኣየናይ መንገዲ ክትክተል ምዃንካ ድማ ኣብ ዕድመኻን ውልቃዊ ኩነትካን ዝምርኮስ እዩ፡

'መንገዲ B1'
'መንገዲ ትምህርቲ'
'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል'

ፈተናታት

undefinedመንገዲ B1undefined ከምኡ እውን undefinedመንገዲ ትምህርቲundefined ብዝምልከት ፈተናታት ክትወስድ ኣለካ። ነዞም ፈተናታት ኣብ

DUO
ኢኻ እትወስዶም። ነቶም ፈተናታት ንምውሳድ፣ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ undefinedMijn Inburgeringundefined ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቋንቋ ቤት-ትምህርትኻን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብን ብዛዕባ እዚ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ፈተና ውጽኢትካ ዝሓዘ ደብዳቤ ክመጸካ እዩ። ኣብ ሓደ ፈተና እንተድኣ ወዲቕካ፣ ነቲ ፈተና ተወሳኺ እንደገና ሓደ ግዜ ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ንድግማ ፈተና ብዝምልከት ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።

'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን'

undefinedመንገዲ-B1undefined ወይ undefinedመንገዲ ርእሰ-ምኽኣልundefined እንተድኣ ትኽተል ኮይንካ፣ undefinedክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎንundefined (MAP) ክትከታተል ኣለካ። ኣብዚ ክፍለ-ስልጠና ብዛዕባ ምስራሕን ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ምስታፍን ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ናይ ስራሕ ተመኩሮ እውን ትገብር። እቲ MAP ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል እዩ፡

  1. ምስ ምምሕዳር ከተማ ዝግበር ናይ መጀመርታ ዝርርብ፡ ኣብዚ ዝርርብ እንታይ ክትገብር ምዃንካ ብዝምልከት ትዘራረብ።

  2. ሓበሬታ ብዛዕባ ዕዳጋ ዕዮ ናይ ኔዘርላንድ።

  3. ናይ 40 ሰዓታት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ምግባር፡ ንኣብነት ብመንገዲ ወለንታዊ ስራሕ፣ ልምምድ ስራሕ ወይ ምብጻሕ ውድባትን ትካላትን።

  4. ምስ ምምሕዳር ከተማ ዝግበር ናይ መዛዘሚ ዝርርብ፡ ኣብዚ ዝርርብ እንታይ ከም ዝተማሃርካ፣ እንታይ ዓይነት ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትደልይን፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ እትረኽቦ ሓገዝን ብዝምልከት ትዘራረብ።

ብዛዕባ ተሳትፎ ዝምልከት ስልጠና ትወስድ

ኣብ undefinedመስርሕ መግለጺ ተሳትፎundefined (PVT) ትሳተፍ። PVT ግዴታዊ ኣካል ሲቪካዊ ምውህሃድ እዩ። እንተወሓደ 12 ሰዓታት ዝወስድ ኮይኑ፣ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፡

  • ትምህርቲ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር።

  • ምስቲ እትነብረሉ ሕብረተሰብ ምልላይ።

  • መግለጺ ተሳትፎ ምፍራም።

እቲ undefinedመግለጺ ተሳትፎundefined መሰላትን ግዴታታትን ከምኡ እውን ኣገደስቲ ክብርታት ናይ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ንምሕባር ዝዓለመ እዩ። ሲቪካዊ ምውህሃድካ ብዓወት ንምዝዛም ድማ፣ ነቲ undefinedparticipatieverklaringundefined ክትፍርመሉ ኣለካ።

ከብዚ ምስ እትገብር ሲቪካዊ ምውህሃድካ ብዓወት ዛዚምካ ማለት እዩ፡

  • ን 1 ካብቶም 3 ናይ ምውህሃድ መንገድታት ምስ ወዳእካ።

  • ንመግለጺ ተሳትፎ (PVT) ምስ ፈረምካ።

ዝያዳ ግዜ ወይ ካብ ግዴታ ምውህሃድ ሕድገት ክግበረልካ ደሊኻ

ሲቪካዊ ምውህሃድካ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ክትዛዝሞ ኣለካ። ገሊኦም ሰባት ነቲ ሲቪካዊ ምውህሃድ ኣብ ግዚኡ ንኽዛዝምዎ ኣይሰልጦምን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ናይ ሲቪካዊ ምውህሃድ ገደብ-ግዜ ምንዋሕ ንኽግበረልካ ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር፣ ነዚ ብዝምልከት ዝተወሰኑ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎም። ኣብ ዝተወሰኑ ኩነታት፣ ሲቪካዊ ምውህሃድ ናይ ምዝዛም ግዴታ ብዝምልከት ሕድገት ንምርካብ እውን ይከኣል እዩ። ንኣብነት ድሮ ሲቪካዊ ምውህሃድ ንምዝዛም ብዙሕ ዝሰራሕካን፣ ግን ድማ ዘይሰለጠካን ምስ እትኸውን። ወይ ድማ ኣዝዩ ብኸቢድ ምስ እትሓምም። ብዛዕባ እዚ እውን ዝተወሰኑ ሕግታት ኣለዉ።

ኣብ ኩነትካ እንታይ ከም ዝከኣል ንምርኣይ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ንዝርከብ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ተወከስ። ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።