ዜናዕዳጋ
ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰራሕተኛ ምምሕዳር ከተማ ይዛረብ።
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Goedele Monnens
ሓበሬታ
ምምሕዳር ከተማ ዝርርብ ንኽትገብር ይዕድመካ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 8/2/2024 10:30 ቅ.ቀ.

ንምውህሃድ ዝምልከት ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ እቲ እትነብረሉ ወይ ክትነብረሉ እትኸዶ ምምሕዳር ከተማ ዝርርብ ንኽትገብር ክዕድመካ እዩ። ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ሓደ ተጸዋዒ-ሰብ ክምደበልካ እዩ፣ ምስኡ ድማ ምውህሃድ ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ዝርርባት ክትገብር ኢኻ።

ናብ ቆጸራ ክትመጽእ ግዴታ ኣለካ

ካብ ምምሕዳር ከተማ ብደብዳቤ ዕድመ ክትቅበል ኢኻ። ኣብቲ ደብዳቤ መዓስ 1ይ ዝርርብ ንምግባር ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትመጽእ ከምዘለካ ተጠቒሱ ይርከብ። ናብቲ ቆጸራ ንኽትመጽእ ድማ ግዴታ ኣለካ። ኣብቲ ደብዳቤ ኣብ ዝተጠቕሰ ዕለት ክትመጽእ ኣይትኽእልን ዲኻ? ስለዚ ምስ ምምሕዳር ከተማ ርክብ ግበር።

ብኸመይ ብዝበለጸ ክትወሃሃድ ከም እትኽእል ምስ ምምሕዳር ከተማ ትምርምር

ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክትወሃሃድ ትኽእል ኢኻ። ምስቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ብሓባር ሒደት ዝርርባት ብምግባር ኣየናይ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዓካ ክትምርምር ኢኻ።

እዞም ዝርርባት ዝጅምሩሉ ዕለት ንነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ገሊኦም ምምሕዳራት ከተማ ገና ኣብ

ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC)
እናሃለኻ 1ይ ቆጸራ ይህልወካ። ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ከተማ ድማ እቶም ዝርርባር ዝጅምሩ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ምስተዋህበካ ጥራይ እዩ።

ግዴታዊ ፈተና ትገብር

ምስ ምምሕዳር ከተማ ዝርርባት ኣብ እትገብረሉ እዋን ፈተና እውን ክትገብር ኢኻ። ብመንገዲ እዚ ፈተና ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣየናይ ኣገባብ ምውህሃድ ምሳኻ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዕ ይምርምር። እቲ ውጽኢት ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ደረጃ ቋንቋ

B1
ክትበጽሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ገምጋማዊ ግምት ይህብ።

እዚ ፈተና ግዴታ እዩ። ኣብኡ ምስ ዘይትሳተፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ መቕጻዕቲ ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?