ምንጪ፡ Polina Tankilevitch
ዓንቀጽ

ሓገዝ ብዛዕባ ቋንቋ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/22/2026 12:54 ድ.ቀ.

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ሓገዝ ምስ እትደልይ፣ ሓገዝ ብኸመይን ኣበይን ክትረክብ ከም እትኽእል ኣብዚ ገጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ብጻይ ቋንቋ ወይ ኣሰልጣኒ ቋንቋ

ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመደሉ እትኽእል ናይ ቋንቋ ብጻይ ወይ ናይ ቋንቋ ኣሰልጣኒ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከም በዓል ፌስቡክ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉጅለታት ኣለዉ፣ ኣብኣቶም ድማ ናይ ቋንቋ ብጻይ ወይ ናይ ቋንቋ ኣሰልጣኒ ንምርካብ ሕቶ ክትልጥፍ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ

ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-መጻሕፍቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ኮምፒተር ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት መጽሓፍቲ ኔዘርላንድ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ወለንተኛታት ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ብነጻ ትምህርቲ ቋንቋ ይውድቡ እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ቤተ-መጻሕፍቲ ምስ ሓደ ናይ ቋንቋ ብጻይ ክትራኸብ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ Bibliotheek.nl ድለይ።

ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ድለይ

ጸጋታት ኢንተርነት ተጠቐም

ብኢንተርነት ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመደሎም እትኽእል ብዙሓት ነጻ መርበባት-ሓበሬታን ብዙሓት ኣፕን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ገለ ሓገዝቲ ምኽርታት ኣብዚ እነሆ፡

Oefenen.nl

ኣብ 'Oefenen.nl' ብዙሓት ብኢንተርነት ዝወሃቡ ትምህርትታት ቋንቋ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትረክብ ኢኻ።

Nt2-taalmenu

'Nt2-taalmenu' ካብ A1 ደረጃ ንላዕሊ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመደሉ እትኽእል መርበብ-ሓበሬታ እዩ።

'NOS Jeugdjournaal'

ብተሌቪዥንን ኢንተርነትን "NOS Jeugdjournaal' ክትርእይ ትኽእል ኢኻ። ሽዕኡ ዜናታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ ደረጃ B1 ክትሰምዕ ኢኻ።

Duolingo

Duolingo ዝበሃል ኣፕ፣ ንቋንቋ ኔዘርላንድ ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ንኽትለማመዶ የኽእለካ።

Taaly

ኣብ Taaly፣ ብAI ተመሪሕካ ቋንቋ ምስ ተወለድቲ ተዛረብቲ ክትለማመዶ ትኽእል ኢኻ።

ዜናታት NOS ብቐሊል ቋንቋ

ተወሳኺ መብርሂታት ዘለዎን ብህዱእ ፍጥነትን ብቐሊል ቋንቋ ዝቐርብ ዜናዊ መደብ። እዋናዊ ዜናታትን ኩነታት ኣየርን ዝሓዘ።

Vertel es

Vertel es - ናይ ቋንቋ ካፈ ብኢንተርነት ንዝሓሸ ዝርርብ

MOOC

ነጻ ብኢንተርነት ዝወሃብ ናይ ጀመርቲ ስልጠና ቋንቋ ኔዘርላንድ 'Introduction to Dutch'።

እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር