ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ሓገዝ ብዛዕባ ቋንቋ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 13/3/2023 12:30 ድ.ቀ.

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ሓገዝ ምስ እትደልይ፣ ሓገዝ ብኸመይን ኣበይን ክትረክብ ከም እትኽእል ኣብዚ ገጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ብጻይ ቋንቋ ወይ ኣሰልጣኒ ቋንቋ

ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመደሉ እትኽእል ናይ ቋንቋ ብጻይ ወይ ናይ ቋንቋ ኣሰልጣኒ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከም በዓል ፌስቡክ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉጅለታት ኣለዉ፣ ኣብኣቶም ድማ ናይ ቋንቋ ብጻይ ወይ ናይ ቋንቋ ኣሰልጣኒ ንምርካብ ሕቶ ክትልጥፍ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ

ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-መጻሕፍቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ኮምፒተር ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት መጽሓፍቲ ኔዘርላንድ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ወለንተኛታት ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ብነጻ ትምህርቲ ቋንቋ ይውድቡ እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ቤተ-መጻሕፍቲ ምስ ሓደ ናይ ቋንቋ ብጻይ ክትራኸብ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ Bibliotheek.nl ድለይ።

ጸጋታት ኢንተርነት ተጠቐም

ብኢንተርነት ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመደሎም እትኽእል ብዙሓት ነጻ መርበባት-ሓበሬታን ብዙሓት ኣፕን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ገለ ሓገዝቲ ምኽርታት ኣብዚ እነሆ፡