ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ይርእይ ኣሎ። እቲ ስእሊ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝተሳእለ እዩ።
ምንጪ፡ Pavel Danilyuk

ዋኒን ትካል ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 26/9/2023 9:16 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስተዋህበካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ከም ሰራሕተኛ ወይ ከም ወናኒ ትካል ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ወናኒ ትካል ክትከውን ከም እትኽእል ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ከም በዓል ዋኒን ተመዝገብ

ከም በዓል ዋኒን ሙሉእ ግዜ ክትሰርሕ እንተድኣ ደሊኻ፣ ኣብ ንግዳዊ መዝገብ ናይ ቤት-ምኽሪ ንግዲ (KVK) ክትምዝገብ ትግደድ ኢኻ። እዚ ዝስዕብ ድማ የድልየካ፡

  • ካብ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
    ዝተረኽበ መረጋገጺ መንበሪ ፍቓድ

  • ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    DigiD

ኣስተውዕል፡ ድሮ ኣብ መበቆል ሃገርካ ንግዲ እንተድኣ ዘለካ ኮይንካን፣ ክትቅጽሎ እንተድኣ ደሊኻን፣ ሕጂ እውን ኣብ ቤት-ምኽሪ ንግዲ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ናይቲ ትካል ኦርጅናል ሰነዳት ከድልየካ እዩ።

DigiD ምውዳድ

ምስ 'Kamer van Koophandel' ቀጸራ ግበር

DigiD እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ ናይ KVK ምዝገባኻ ብዝምልከት ብኢንተርነት ከተዳልውን፣ ናብ KVK ንኽትበጽሕ ቆጸራ ክትሕዝን ትኽእል ኢኻ።

ኣድራሻ ናይቲ ንግዲ ከተካይደሉ እትደልዮ ቦታ ኣካትት። ናይ ቤት-ጽሕፈት ኣድራሻ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ኣድራሻ ኢኻ ትጥቀም። እቲ ን KVK እትህቦ ኣድራሻ ድማ፣ ብኢንተርነት (ህዝባዊ ብምግባር) ምስ ንግድኻ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ።

ናብቲ ምስ KVK ዝገበርካዮ ቆጸራ ኪድ። ሰራሕተኛ ናይ KVK ድማ ኣብ ንግዳዊ መዝገብ ዝግበር ምዝገባኻ ክዛዝሞ እዩ። ካብታ እዋን እቲኣ ጀሚርካ ድማ ከም በዓል ዋኒን ምዝጉብ ኢኻ፣ ከምኡ እውን ንግድኻ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ኣብ KVK ንኽትምዝገብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ቀረጽ መሸጣ ምኽፋል

በዓል ዋኒን እንተድኣ ኮይንካ ኣብ ነፍስወከፍ 3 ኣዋርሕ ንበዓል-መዚ ግብሪ ኔዘርላንድ ቀረጽ መሸጣ ክትከፍል ኣለካ። እዚ ድማ ብመልክዕ ቀረጽ መሸጣ ይግበር።

ኣብቲ ዋጋ ናይ እትሸጦም ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ቀረጽ መሸጣ ትቕምሮ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርእሲ እቲ ዋጋ ናይ ፍርያትካ ዝውሰኽ 9 ወይ 21 ሚእታዊት ቀረጽ መሸጣ ዘጠቓልል እዩ። ካብ ዓማዊል እትረኽቦ ቀረጽ መሸጣ ድማ ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ኔዘርላንድ ክትሰዶ ኣለካ።

ባዕልኻ ንኣቕረብቲ ዝኸፈልካዮ ቀረጽ መሸጣ ክትቅንሶ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ኣብ መንጎ ዋጋ ዕድጊኻ (ወጻኢታት ሓዊስካ) ከምኡ እውን ዋጋ መሸጣኻን ዘሎ ፍልልይ ቀረጽ መሸጣ ድማ ትኸፍል።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?