ዜናዕዳጋ
ሓደ ሰብኣይ ሰነድ እናንበበ እንከሎ
ሓበሬታ
ቅድመ-ኩነታት ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/6/2024 3:58 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ድማ ትደልይ ዲኻ? ብዛዕባ እዚ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። እዞም ቅድመ-ኩነታት ኣየኖት ምዃኖም ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ቅድመ-ኩነታት

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ብቑዕ ንምዃን ነዞም ዝስዕቡ ናይ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • ኣብ ኔዘርላንድ እንተወሓደ ን5 ተኸታተልቲ ዓመታት ብሕጋዊ ናይ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ተቐሚጥካ ኢኻ።

  • ኣብ ኔዘርላንድ ኢኻ እትነብር፣ ዝበዝሕ ግዜኻ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኢኻ እተሕልፎ።

  • ንቅድመ-ኩነታት ናይ መንበሪ ፍቓድካ ኩሉ ግዜ ኣኽቢርካ ኢኻ። ሕጂ እውን ገና ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ኢኻ።

  • ንሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ሓደጋ እትፈጥር ኣይኮንካን።

  • ነቲ ሕጂ ዘለካ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ዘመልከትካሉ እዋን ጌጋ ሓበሬታ ኣይሃብካን፣ ወይ ሓበሬታ ኣይሓባእካን።

  • ኣብ

    መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP)
    ተመዝጊብካ ኣለኻ።

  • ናይ ምውህሃድ ፈተና ዝሓለፍካ ኢኻ፣ ወይ ናይ ምውህሃድ ፈተና ምውሳድ ዘየድልየካ ኢኻ።

  • ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወጻኢታት ባዕልኻ ክትከፍሎም እትኽእል ኢኻ።

ነዚኦም ኹሎም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ናብ IND ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ደገፍ ኣብ እተመልክተሉ እዋን

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምምልካት ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ብዛዕባ እዚ ክድግፈካ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?