• ጀምር
  • ቅድመ-ኩነታት ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ
ሓደ ሰብኣይ ሰነድ እናንበበ እንከሎ

ቅድመ-ኩነታት ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:55 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። እዚኦም ኣየኖት ቅድመ-ኩነታት ምዃኖም ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ቅድመ-ኩነታት

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ብቑዕ ንምዃን ነዞም ዝስዕቡ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

  • ኣብ ኔዘርላንድ እንተወሓደ ን5 ተኸታተልቲ ዓመታት ብሕጋዊ ናይ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ተቐሚጥካ ኢኻ።

  • ካብ 8 ዓመት ዕድመ ጀሚሮም ዘለዉ ዓመታት ጥራይ እዮም ምስቲ ናይ 5 ዓመት ግዜ ዝቑጸሩ። ቆልዑት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከመልክቱ ዝኽእሉ ዕድሚኦም እንተወሓደ 13 ዓመት ምስ ዝኸውንን፣ ካብ 8 ዓመት ዕድሚኦም ጀሚሮም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልዎምን ጥራይ እዩ።

  • መንበሪ ፍቓድካ ኩሉ ግዜ ኣብ ግዚኡ ኣናዊሕካዮ ኢኻ።

  • ንቅድመ-ኩነታት ናይ መንበሪ ፍቓድካ ኩሉ ግዜ ኣኽቢርካ ኢኻ። ሕጂ እውን ገና ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ድማ ኢኻ።

  • ንሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ሓደጋ ኣይኮንካን።

  • ነቲ ሕጂ ዘለካ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ዘመልከትካሉ እዋን ጌጋ ሓበሬታ ኣይሃብካን፣ ወይ ሓበሬታ ኣይሓባእካን።

  • ኣብ መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP) ተመዝጊብካ ኣለኻ።

  • ናይ ምውህሃድ ፈተና ዝሓለፍካ ኢኻ፣ ወይ ናይ ምውህሃድ ፈተና ምውሳድ ዘየድልየካ ኢኻ።

  • ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወጻኢታት ባዕልኻ ክትከፍሎም እትኽእል ኢኻ።

ነዚኦም ኹሎም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ናብ IND ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ደገፍ ኣብ እተመልክተሉ እዋን

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምምልካት ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ብዛዕባ እዚ ክድግፈካ ይኽእል እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?