ዜናዕዳጋ
ኣብ ሳጹን ፖስታ ዝተቐመጠ ደብዳቤ
ሓበሬታ
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ናብ IND ምምልካት
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 16/11/2023 11:32 ቅ.ቀ.

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? እዚ ቅድሚ እቲ ዘለካ መንበሪ ፍቓድ ግዚኡ ምውዳቚ ካብ 3 ወርሒ ጀሚሩ ይከኣል እዩ። ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብኢንተርነት ወይ ብፖስታ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድካ፣ እቲ ሕጂ ዘለካ ፍቓድ ግዚኡ ቅድሚ ምውዳቚ ኢኻ እተመልክት

ሕጂ ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ እቲ ሕጂ ዘለካ መንበሪ ፍቓድ ግዚኡ ቅድሚ ምውዳቚ 3 ወርሒ ኣቀዲምካ ቀዋሚ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኩሉ ግዜ ብቚዕ መረጋገጺ መንነት ክህልወካ ዘለዎ ምዃኑ ድማ ኣስተውዕል።

እቲ ሕጂ ዘለካ መንበሪ ፍቓድ ዝህቦ ኣገልግሎት ካብ 8 ክሳብ 4 ሳምንታት ክሳብ ዝተርፎ ኣብ ዘሎ ግዜ

IND
ገና ውሳኔ ኣይወሰደን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND፣
W-document
ንምርካብ ከተመልክት ክሓተካ እዩ።

ንመንበሪ ፍቓድካ ድሮ ኣናዊሕካዮ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ንልዕሊ 5 ዓመት ትነብር ኣለኻ ዲኻ? ስለዚ ነቲ መመልከቲ መዓስ ከም እተእትዎ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። መንበሪ ፍቓድካ ግዚኡ ዳርጋ ክሳብ ዝወድቕ ምጽባይ ኣየድልየካን እዩ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ብፖስታ ብኸምዚ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ

ብፖስታ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምምልካት ነዚኦም ዝስዕቡ ስጉምትታት ተኸተል።

  • ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ኣውርዶ ማለት ዳውንሎድ ግበሮ። ኣብ ትሕቲ እዚ መርሓ ውጥን ቅኑዕ መተሓላለፊ ሊንክ ክትረክብ ኢኻ።

  • ነቲ ቅጥዒ ኣብ A4 ወረቐት፣ ከምኡ እውን ብሓቀኛ ዓቐኑ ሓቲምካ ኣውጽኣዮ።

  • ነቲ ቅጥዒ ምልኣዮ። እዚ ብጸሊም ወይ ብሰማያዊ ቀለም ዘለዎ ብርዒ ግበሮ። እንተዘይኮይኑ IND ንሓበሬታታትካ ብግቡእ ስካን ክገብሮም ዘይክእል ክኸውን ይኽእል እዩ።

  • ኣብቲ ኣብ ድሕሪ ወይ ኣብ ትሕቲ ነፍስወከፍ ሕቶ ዝተዋህበ ቦታ ጥራይ ጽሓፍ። ተወሳኺ ቦታ የድልየካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ንጽል ገጽ ትውስኽ እሞ፣ ኣብኡ ድማ ውልቃዊ ሓበሬታታትካ ትጠቕሶምን እቲ ዝተወሰኸ ጽሑፍ ድማ ናይ ኣየናይ ሕቶ ምዃኑ ትሕብርን።

  • እቲ ቅጥዒ ሓያሎ ጥብቆታት ዘጠቓልል እዩ። ንኣየኖት ጥብቆታት ክትመልእ ከም ዘለካ ድማ ኣብ ኩነትካ ዝምርኮስ እዩ።

  • ነቲ ቅጥዒ እንተድኣ መሊእካዮ፣ ፈሪምካሉን ንኩሎም ዝተሓተቱ ሰነዳትን መርትዖታትን ምስኣከብካን ጥራይ ነቲ መመልከቲኻ ስደዶ። መመልከቲኻ ምሉእ እንተድኣ ዘይኮይኑ፣ IND ንመመልከቲኻ ብግቡእ ክግምግሞ ኣይክእልን እዩ። መበቆላውያን ማለት ኦርጅናል ሰነዳትካ ናብ IND ኣይትስደዶም፣ ቅዳሓት ጥራይ ስደድ።

  • መመልከቲኻ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ስደዶ፡ Immigratie- en Naturalisatiedienst

    Postbus 9 9560 AA Ter Apel

  • IND መመልከቲኻ ድሕሪ ምቕባሉ፣ ክንደይ መጠን ገንዘብ ክትከፍል ከምዘለካን፣ ብኸመይ ክትከፍል ከምዘለካን ዝገልጽ ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ። ኣብ ግዚኡ ክፈል፣ እንተዘይኮይኑ መመልከቲኻ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ መመልከቲ ቅጥዒ ብፖስታ
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ንቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝኸውን ናይ ጽሑፍ መመልከቲ ቅጥዒ ክትረክብ ኢኻ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ብኸምዚ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ

ብኢንተርነት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምምልካት ነዚኦም ዝስዕቡ ስጉምትታት ተኸተል።

  • ናብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ዝርከብ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኪድ። ኣብ ትሕቲ እዚ መርሓ ውጥን ቅኑዕ መተሓላለፊ ሊንክ ክትረክብ ኢኻ።

  • DigiD
    + sms-ኮድ ወይ ብናይ DigiD ናይ ተሌፎን ኣፕ ተመዝገብ። ገና DigiD የብልካን ዲኻ? ስለዚ DigiD ንምርካብ ኣመልክት።

  • ነቲ መመልከቲ ምልኣዮ፣ ከምኡ እውን ነቶም ዝተሓተቱ ሰነዳት ጸዓኖም ማለት ኣፕሎድ ግበሮም።

  • ኩሉ ግዜ ንመመልከቲኻ ብጥንቃቐ ተቖጻጸሮ። ዘይቅኑዕ ቅደም ተኸተል ናይ ሓበሬታታት ወይ ጥብቆታት ን/ወይ ዘይምሉኣት ሓበሬታታት ኣብ ኣካይዳ ናይቲ መስርሕ ምድንጓያት ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም።

  • ንወጻኢታት ናይቲ መመልከቲ ብመንገዲ

    iDEAL
    ክፈል።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ብኢንተርነት መመልከቲ ቅጥዒ
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ንቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝኸውን ናይ ኢንተርነት መመልከቲ ቅጥዒ ክትረክብ ኢኻ።

ንIND ቅኑዕ ሓበሬታ ሃብ

እንተድኣ ንIND ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ሂብካ፣ መመልከቲኻ ክንጸግ ወይ ፍቓድካ ብIND ተሳሒቡ ክስረዝ ይኽእል እዩ። እዚ ሓበሬታ እንተድኣ ሓቢእካ እውን ይምልከት እዩ። ስለዚ ንIND ቅኑዕን ምሉእን ሓበሬታ ከም እትህብ ኣረጋግጽ።

ወጻኢታት ናይ መመልከቲ
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዝቀርብ መመልከቲ ገንዘብ ይሓትት እዩ። እቲ ህሉው መጠን ገንዘብ ንምፍላጥ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ተወከስ።
ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?