IND ውሳኔ ይወስድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 29/1/2024 8:47 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይውስን። 3 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡ IND ንመመልከቲኻ የጽድቖ፣ ንመመልከቲኻ ይነጽጎ፣ ወይ ድማ ንግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ የናውሖ።

ኣማራጺ 1፡ IND ንመመልከቲኻ የጽድቖ ከምኡ እውን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ትረክብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
IND
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካ ይውስን። ስለዚ ካብ IND ብፖስታ ወይ ብዲጂታላዊ ብመንገዲ 'Mijn IND' መመልከቲኻ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳቤ ትቕበል። ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድካ ንምውሳድ ብኸመይ ቆጸራ ከም እትሕዝ እውን ኣብዚ ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ።

ኣማራጺ 2፡ IND ንመመልከቲኻ ይነጽጎ ከምኡ እውን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ ይናዋሓልካ

IND ነቲ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘቕረብካዮ መመልከቲኻ ይነጽጎ፣ ከምኡ እውን ነቲ ህሉው መንበሪ ፍቓድካ የናውሖ። IND ነዚ ዝገብር ንኹሎም ቅድመ-ኩነታት ገና ዘይተማልእ ምስ እትኸውን እዩ። ንኣብነት ገና ምውህሃድ ዘይወዳእካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ወይ ድማ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ካብ ግዚኡ ኣዚኻ ኣቀዲምካ እንተድኣ ኣመልኪትካ።

ኣማራጺ 3፡ IND ንመመልከቲኻ ይነጽጎ ከምኡ እውን ንግዝያዊ መንበሪ ፍቓድካ ኣየናውሓልካን

IND ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከምዘይትረክብን ግዝያዊ ፍቓድካ ከምዘይናዋሕን ይውስን። መብዛሕትኡ ግዜ IND ነቲ ግዝያዊ ፍቓድካ እውን ይስሕቦ። እዚ ውሳኔ ናይ IND 'ዝተሓስበ ውሳኔ' ይበሃል።

ምስቲ ምንጻግ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ንምንታይ ምስ ውሳኔ ናይ IND ዘይትሰማማዕ ምዃንካ ንIND ብደብዳቤ ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ ደብዳቤ "ርእይቶ" ይበሃል። ነቲ ርእይቶ ንምጽሓፍ ጠበቓ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንሱ ስለምንታይ ምስ ውሳኔ ናይ IND ዘይትሰማማዕ ምዃንካ ብሕጋዊ መዳይ ክድርዖ ይኽእል እዩ።

IND 'ርእይቶኻ' ድሕሪ ምቕባሉ፣ IND ንመመልከቲኻ ዳግማይ ክርእዮ ኣለዎ። እዚ ድማ ገና ኣወንታዊ ውሳኔ ከም እትረክብ ክገብር ይኽእል እዩ። እቲ ውሳኔ ኣሉታዊ ኮይኑ ጸኒዑ ድዩ? ስለዚ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?