• ጀምር
  • ምስ ምምሕዳር ከተማ ንዝግበር ዝርርብ ትዳሎው
ሓደ ሰብ ሰነዳት ይገናጽል።
ምንጪ፡ Anete Lusina

ምስ ምምሕዳር ከተማ ንዝግበር ዝርርብ ትዳሎው

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/4/2024 1:33 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንምውህሃድ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ነዚ ብዝምልከት ምስ ምምሕዳር ከተማኻ ክትዘራረብ ኢኻ። ንዓኻ ኣየናይ ኣገባብ ምውህሃድ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዓካ ምምርማር ድማ ጠቓሚ እዩ። ብኸመይ ከምኡ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ኣየናይ መንገዲ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዕካ መርምር

'መንገዲ-B1'

ዕላማ ናይ 'መንገዲ-B1' እናሰራሕካ እውን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ቋንቋ ምምሃር እዩ። 

  • ናይ ምውህሃድ ፈተና ንምግባር ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክትከታተል ኣለካ። ነዚ ድማ ምስ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ወይ ወለንታዊ ስራሕ ትጽንብሮ።

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ ብደረጃ ቋንቋ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    B1
    ትመሃር፣ ከምኡ እውን ናይ ምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ምዝራብን ምስማዕን ፈተና ትገብር።

  • ናይ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ፈተና ትወስድ።

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን' (MAP)
    ትከታተል።

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል።

'ትምህርታዊ መንገዲ'

ዕላማ ናይ 'ትምህርታዊ መንገዲ'፣ ከም በዓል mbo፣ hbo ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝኣመሰለ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ትምህርቲ ንምክትታልን፣ ከምኡ እውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምውህሃድካ ንምዝዛምን እዩ።

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ ብደረጃ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    B1
    ትመሃር። እዚ ቀሊል ቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ። ናይ ምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ምዝራብን ምስማዕን ፈተና ድማ ትገብር። 

  • ብድምር ናይ 1000 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድን፣ ናይ 500 ሰዓታት ትምህርቲ ብዛዕባ ካልኦት ዓውዲታት-ትምህርቲን ክትከታተል ኢኻ። ናብ hbo ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ትኸይድ እንተድኣ ኮይንካ ድማ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝለዓለ ደረጃ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    B2
    ትመሃር። ኣብ ገሊኦም ናይ ዩኒቨርሲቲ ስልጠናታት ንምስታፍ ዋላ ደረጃ
    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    C1
    እውን ትመሃር ኢኻ።

  • ናይ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ፈተና ትወስድ።

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል።

'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል'

ዕላማ ናይ 'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ንኽትሳተፍ ምእንቲ ክትክእል እዩ።

  • ኣብ ኔዘርላንድ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ክትነብር ምእንቲ ክትክእል ቋንቋ ኔዘርላንድ ትመሃር። ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ኣብ ደረጃ ቋንቋ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    A1
    ትመሃር።

  • እንተወሓደ 800 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትከታተል።

  • እንተወሓደ ን800 ሰዓታት ዝጸንሕ ንጥፈታት ትከታተል፣ በዚ መንገዲ ድማ ብዛዕባ ኔዘርላንድ ዝያዳ ትመሃር። እዚ ወለንታዊ ስራሕ፣ ፈጠራዊ ወይ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክኸውን ይኽእል።

  • ፈተናታት ምግባር ኣየድልየካን እዩ።

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን' (MAP)
    ትከታተል።

  • ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል።

  • ናይ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ትምህርቲ ትከታተል።

  • ምስ ናትካ ናይ ምምሕዳር ከተማ ተጸዋዒ-ሰብ ጽቡቕ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ድሕሪ ምግባርካ፣ ነቲ 'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' ብዓወት ትዛዝሞ።

ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ዘለካ ትምህርትን ኣቀዲምካ ጸሓፎም

ቅድሚ ምስ ምምሕዳር ከተማ እትገብሮ ዝርርብ፣ እንታይ ዓይነት ስራሕን ትምህርትን ከም ዘለካ ኣቀዲምካ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብ ሲቪ -CV- ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ድሕሪ 1 ጥሪ 2022 ምውህሃድ ምጅማር