ዜናዕዳጋ
ሓደ ሰብ ሰነዳት ይገናጽል።
ምንጪ፡ Anete Lusina
ሓበሬታ
ምስ ምምሕዳር ከተማ ብሓባር ብዝበለጸ ዝሰማማዓካ ስልጠና ትመርጽ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/7/2024 8:00 ቅ.ቀ.

ንምውህሃድ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ነዚ ብዝምልከት ምስ ምምሕዳር ከተማኻ ክትዘራረብ ኢኻ። ንዓኻ ኣየናይ ኣገባብ ምውህሃድ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዓካ ምምርማር ድማ ጠቓሚ እዩ። ብኸመይ ከምኡ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ኣየናይ መንገዲ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዕካ መርምር

'መንገዲ-B1'

ዕላማ ናይ 'መንገዲ-B1' እናሰራሕካ እውን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ቋንቋ ምምሃር እዩ። 

  • ናይ ምውህሃድ ፈተና ንምግባር ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክትከታተል ኣለካ። ነዚ ድማ ምስ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ወይ ወለንታዊ ስራሕ ትጽንብሮ።

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ ብደረጃ ቋንቋ

    B1
    ትመሃር፣ ከምኡ እውን ናይ ምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ምዝራብን ምስማዕን ፈተና ትገብር።

  • ናይ

    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ፈተና ትወስድ።

  • 'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን' (MAP)
    ትከታተል።

  • 'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል።

'ትምህርታዊ መንገዲ' (መንገዲ-o)

ዕላማ ናይ መንገዲ-o፣ ከም በዓል MBO፣ HBO ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝኣመሰለ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ትምህርቲ ንምክትታልን፣ ከምኡ እውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምውህሃድካ ንምዝዛምን እዩ።

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ ብደረጃ

    B1
    ትመሃር። እዚ ቀሊል ቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ። ናይ ምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ምዝራብን ምስማዕን ፈተና ድማ ትገብር። 

  • ብድምር ናይ 1000 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድን፣ ናይ 500 ሰዓታት ትምህርቲ ብዛዕባ ካልኦት ዓውዲታት-ትምህርቲን ክትከታተል ኢኻ። ናብ hbo ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ትኸይድ እንተድኣ ኮይንካ ድማ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝለዓለ ደረጃ

    B2
    ትመሃር። ኣብ ገሊኦም ናይ ዩኒቨርሲቲ ስልጠናታት ንምስታፍ ዋላ ደረጃ
    C1
    እውን ትመሃር ኢኻ።

  • ናይ

    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ፈተና ትወስድ።

  • 'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል።

'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' (መንገዲ-z)

ዕላማ ናይ መንገዲ-z ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ንኽትሳተፍ ምእንቲ ክትክእል እዩ።

  • ኣብ ኔዘርላንድ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ክትነብር ምእንቲ ክትክእል ቋንቋ ኔዘርላንድ ትመሃር። ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ኣብ ደረጃ ቋንቋ

    A1
    ትመሃር።

  • እንተወሓደ 800 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትከታተል።

  • እንተወሓደ ን800 ሰዓታት ዝጸንሕ ንጥፈታት ትከታተል፣ በዚ መንገዲ ድማ ብዛዕባ ኔዘርላንድ ዝያዳ ትመሃር። እዚ ወለንታዊ ስራሕ፣ ፈጠራዊ ወይ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክኸውን ይኽእል።

  • ፈተናታት ምግባር ኣየድልየካን እዩ።

  • 'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን' (MAP)
    ትከታተል።

  • 'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል።

  • ናይ

    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ትምህርቲ ትከታተል።

  • ምስ ናትካ ናይ ምምሕዳር ከተማ ተጸዋዒ-ሰብ ጽቡቕ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ድሕሪ ምግባርካ፣ ነቲ 'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' ብዓወት ትዛዝሞ።

ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ዘለካ ትምህርትን ኣቀዲምካ ጸሓፎም

ቅድሚ ምስ ምምሕዳር ከተማ እትገብሮ ዝርርብ፣ እንታይ ዓይነት ስራሕን ትምህርትን ከም ዘለካ ኣቀዲምካ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብ ሲቪ -CV- ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ንስራሕ ምምልካት
ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ንስራሕ ምምልካት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ብኸመይ ሲቪ ከም እተዳሉው።
ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?