• ጀምር
  • ምስ ምምሕዳር ከተማ ብሓባር ውልቃዊ ውጥን ተዳሉው
ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ ፊት ንፊት ኮፍ ኢለን።
ምንጪ፡ Christina Morillo

ምስ ምምሕዳር ከተማ ብሓባር ውልቃዊ ውጥን ተዳሉው

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/11/2023 9:16 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ምስ ምምሕዳር ከተማ ብሓባር ብምዃን ንምውህሃድካ ዝምልከት ውልቃዊ ውጥን ተዳሉው። ነዚ ውጥንን ነቶም ብሓባር ዝገብረኩሞም ስምምዓትን ትጽሕፎም። ምምሕዳር ከተማኻ ድማ ንምውህሃድካ ይኸፍለልካ።

እዞም ስምምዓት ኣብ ውልቃዊ ውጥንካ ይጠቓለሉ

ምስ ምምሕዳር ከተማ ብሓባር ንምውህሃድካ ዝኸውን ውጥን ከተዳሉው ኢኻ። እዚ ድማ ውጥን ምውህሃድን ተሳትፎን (PIP) ይበሃል። ኣብዚ ውጥን ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ስምምዓት ትገብር፡ 

  • ኣየናይ ናይ ምውህሃድ ኣገባብ ከም እትመርጽን ኣበይ ፈተና ክትወስድ ምዃንካን

  • ብዓወት ንምውህሃድ ዘድልየካ መጠን ግዜ።

  • ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣገዳሲ ደገፍ፡ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዝኣመሰለ። ወይ ድማ ቆልዑት ምስ ዝህልዉኻ መውዓሊ ሕጻናት።

  • ነቲ ምውህሃድ ብዓወት ንምዝዛም ዘድልይ ምርሒትን ሓገዝን።

  • ትሕዝቶ ናይ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን' (MAP)

  • ናይ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ፈተና ክትገብር ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን።

  • ትሕዝቶ ናይ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)

  • ምምሕዳር ከተማን ንስኻን፣ እቶም ዝተዳለዉ ውጥናት ዝሰልጡ ምዃኖም ብኸመይ ክትከታተልዎም ምዃንኩም። ከምኡ እውን እቲ ምምሕዳር ከተማ ብኸመይ ክሕግዘካ ከም ዝኽእል። ንኣብነት ዝርርባት ብምክያድ።

ምምሕዳር ከተማ ንወጻኢታት ናይ ምውህሃድ ዝምልከት ሓበሬታ ይህብ

ብመትከል ምውህሃድ ዝኾነ ወጻኢታት ኣይሓተካን እዩ። እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ እዩ ንናይ ምውህሃድ ስልጠናታትካን ፈተናታትካን ዝኸፍለልካ። ኣብ ገሊኦም ምምሕዳራት ከተማ ናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ወይ ካልእ ፋይናንሳዊ ደገፍ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት ቆልዑት ምስ ዝህልዉኻ። ብዛዕባ እዚ እቲ ምምሕዳር ከተማ ክሕብረካ ይኽእል እዩ።

ነቶም ኣብ PIP ዝርከቡ ስምምዓት ክተኽብር ኣለካ

ንስኻን እቲ ምምሕዳር ከተማን ነቶም ኣብ PIP ዝርከቡ ስምምዓት ከተኽብርዎም ኣለኩም። ነዞም ስምምዓት እንተድኣ ዘይኣኽቢርካን፣ ስለዚ ድማ ናይ ምውህሃድ ግዴታኻ ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ዘይፈጺምካን ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ኣብቲ PIP ስምምዕ ካብ ዝተገብረሎም ፈተናታት ወጻኢ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ፈተናታት እንተድኣ ወሲድካ እውን ንፈተናታትካ ባዕልኻ ክትከፍሎም ኣለካ።

ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ኩነታት ምስ ዝቕየር ነቲ PIP ከተስተኻኽሎ ትኽእል

ውልቃዊ ኩነታትካ ምስ ዝቕየር፣ ንኣብነት ኣብ መዳይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ፣ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ውጥን ክስተኻኸል ይኽእል እዩ። ስለዚ ምእንቲ ኣብ ውሽጢ እቲ 'ናይ ምውህሃድ ገደብ-ግዜ' ክትውሃሃድ ክትክእል፣ ምምሕዳር ከተማ ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ነቲ ውጥን ከስተኻኽሎ ይኽእል እዩ።

እዚ ምውህሃድካ ድሕሪ ምጅማርካ ኣብ ውሽጢ 1.5 ዓመት ጥራይ እዩ ክግበር ዝከኣል። ሽዕኡ እቲ ምምሕዳር ከተማ ሓድሽ ውጥን ክሕንጽጽ እዩ። ምስቲ ሓድሽ ውጥን ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ስለዚ ናብ ምምሕዳር ከተማ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ንተቓውሞኻ ምስ ዝነጽጎ ድማ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ድሕሪ 1 ጥሪ 2022 ምውህሃድ ምጅማር