ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Een groep mensen met een verblijfsvergunning doet mee aan het 'Participatieverklaringstraject' (PVT).

ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Goedele Monnens

ብዛዕባ ተሳትፎ ዝምልከት ስልጠና ትወስድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/11/2023 9:15 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንምውህሃድ ኣብቲ ብነጻ ዝካየድ 'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT) እውን ትሳተፍ። እዚ ካብ 1 ጥቅምቲ 2017 ጀሚሩ ክወሃሃድ ንዘለዎ ነፍስወከፍ ሰብ ዝምልከት ግዴታዊ ክፋል እዩ።

PVT ብዛዕባ እዚ ዝምልከት እዩ

PVT እንተወሓደ ን12 ሰዓታት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ዝርከብዎ የጠቓልል፡

  • ቅዋም ናይ ኔዘርላንድ

  • ትርጉም ናጽነት ኣብ ኔዘርላንድ

  • ትርጉም ማዕርነት ኣብ ኔዘርላንድ

  • ትርጉም ስምረት ኣብ ኔዘርላንድ

  • ትርጉም ተሳትፎ ኣብ ኔዘርላንድ

  • ዑደት ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ

  • ኣብ መወዳእታ ንስኻን ምምሕዳር ከተማን ኣብቲ 'መግለጺ ተሳትፎ' ክታምኩም ተንብሩ

ነቲ PVT ኣብ ተግባር ምውዓል ድማ ናይ ምምሕዳራት ከተማ ዕማም እዩ።

ነቲ 'መግለጺ ተሳትፎ' ክታምካ ተንብረሉ

እቲ PVT ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ 'መግለጺ ተሳትፎ ' ክታምካ ከተንብር ኣለካ። በዚ መንገዲ ድማ ​​ነቶም ኣገደስቲ ልምዲታትን ክብርታትን ናይ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ከም ዝፈለጥካዮምን ከም እተኽብሮምን ቃል ትህብ።

PVT ንኽትዛዝሞ 3 ዓመት ግዜ ኣለካ

PVT ንኽትዛዝሞ 3 ዓመት ግዜ ኣለካ። እዞም 3 ዓመታት ምቚጻር ዝጅምሩ እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቲ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
'ውጥን ምውህሃድን ተሳትፎን' (PIP)
ድሕሪ ምጽዳቚ እዩ። ነቲ መስርሕ ኣብቲ ዝተመደበሉ ገደብ-ግዜ ኣይወዳእካዮን ዲኻ? ከምኡ እውን እቲ ምምሕዳር ከተማ እዚ ብናትካ ጥፍኣት ኮይኑ ረኺብዎ ድዩ? ስለዚ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክወሃበካ እዩ።

ነቲ 'መግለጺ ተሳትፎ' ክታምካ ምስ ዘይተንብረሉ ዘለዎ ሳዕቤናት

ነቲ ‘መግለጺ ተሳትፎ’ ምፍራም፣ ብዓወት ንምውህሃድ ዝምልከት ጠለብ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
እዩ።

ነቲ መግለጺ ክታምካ ኣይከተንብረሉን ዲኻ? ስለዚ እንተበዝሐ ክሳብ €340 ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። እዚ መቕጻዕቲ ካብ 1 ግዜ ንላዕሊ ክወሃበካ ድማ ይኽእል እዩ።

ነቲ 'መግለጺ ተሳትፎ' ክታምካ እንተድኣ ዘየንበርካሉ ምናልባት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ዜግነት ናይ ኔዘርላንድ እውን ዘይትረክብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ እትረኽቦ ብዓወት እንተድኣ ተዋሃሂድካ ጥራይ እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ቅድሚ 1 ጥሪ 2022 ምውህሃድ ምጅማር