
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Goedele Monnens
ብዛዕባ ተሳትፎ ዝምልከት ስልጠና ትወስድ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ንምውህሃድ ኣብቲ ብነጻ ዝካየድ 'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT) እውን ትሳተፍ። እዚ ካብ 1 ጥቅምቲ 2017 ጀሚሩ ክወሃሃድ ንዘለዎ ነፍስወከፍ ሰብ ዝምልከት ግዴታዊ ክፋል እዩ።
PVT ብዛዕባ እዚ ዝምልከት እዩ
PVT እንተወሓደ ን12 ሰዓታት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ዝርከብዎ የጠቓልል፡
ቅዋም ናይ ኔዘርላንድ
ትርጉም ናጽነት ኣብ ኔዘርላንድ
ትርጉም ማዕርነት ኣብ ኔዘርላንድ
ትርጉም ስምረት ኣብ ኔዘርላንድ
ትርጉም ተሳትፎ ኣብ ኔዘርላንድ
ዑደት ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ
ኣብ መወዳእታ ንስኻን ምምሕዳር ከተማን ኣብቲ 'መግለጺ ተሳትፎ' ክታምኩም ተንብሩ
ነቲ PVT ኣብ ተግባር ምውዓል ድማ ናይ ምምሕዳራት ከተማ ዕማም እዩ።
ነቲ 'መግለጺ ተሳትፎ' ክታምካ ተንብረሉ
እቲ PVT ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ 'መግለጺ ተሳትፎ ' ክታምካ ከተንብር ኣለካ። በዚ መንገዲ ድማ ነቶም ኣገደስቲ ልምዲታትን ክብርታትን ናይ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ከም ዝፈለጥካዮምን ከም እተኽብሮምን ቃል ትህብ።
PVT ንኽትዛዝሞ 3 ዓመት ግዜ ኣለካ
PVT ንኽትዛዝሞ 3 ዓመት ግዜ ኣለካ። እዞም 3 ዓመታት ምቚጻር ዝጅምሩ እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቲ
ነቲ 'መግለጺ ተሳትፎ' ክታምካ ምስ ዘይተንብረሉ ዘለዎ ሳዕቤናት
ነቲ ‘መግለጺ ተሳትፎ’ ምፍራም፣ ብዓወት ንምውህሃድ ዝምልከት ጠለብ ናይ
ነቲ መግለጺ ክታምካ ኣይከተንብረሉን ዲኻ? ስለዚ እንተበዝሐ ክሳብ €340 ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። እዚ መቕጻዕቲ ካብ 1 ግዜ ንላዕሊ ክወሃበካ ድማ ይኽእል እዩ።
ነቲ 'መግለጺ ተሳትፎ' ክታምካ እንተድኣ ዘየንበርካሉ ምናልባት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ዜግነት ናይ ኔዘርላንድ እውን ዘይትረክብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ እትረኽቦ ብዓወት እንተድኣ ተዋሃሂድካ ጥራይ እዩ።