ዜናዕዳጋ
ሰባት ብድሕሪ ኮምፒተር ኮፍ ይብሉ።
ምንጪ፡ Mikhail Nilov
ሓበሬታ
ፈተናታት ትገብር
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 10/7/2024 2:16 ድ.ቀ.

'መንገዲ-B1' ከምኡ እውን 'ትምህርታዊ መንገዲ' ኣብ እትከታተለሉ እዋን ፈተናታት ክትገብር ግዴታ ኣለካ። እዚ ን'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' ግዴታ ኣይኮነን። ስለዚ ፈተና ክትወስድ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መንገዲ-B1

ዕላማ ናይ መንገዲ-B1፣ እናሰራሕካ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ነቲ ቋንቋ ብቕልጡፍ ንምምሃር እዩ። መንገዲ-B1 ከምዚ ይመስል፡

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ ብደረጃ ቋንቋ B1 ትመሃር።

  • እትከታተሎ ዝተሓተ-ገደብ ሰዓታት ትምህርቲ ኣብ ናትካ PIP ተጠቒሱ ይርከብ። 

  • 'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    እውን ትመሃር።

  • 'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን' (MAP)
    ትከታተል።

  • ነቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ደሞዝ ምስ ዝኽፈሎ ስራሕ ወይ ምስ ወለንታዊ ስራሕ ብምጽንባር ተካይዶ።

  • ነቲ ምምሕዳር ከተማ ዝውድቦ

    'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል። 

እዞም ዝስዕቡ ፈተናታት ትወስድ፡

  • ምንባብ ብደረጃ ቋንቋ B1

  • ምስማዕ ብደረጃ ቋንቋ B1

  • ምጽሓፍ ብደረጃ ቋንቋ B1

  • ምዝራብ ብደረጃ ቋንቋ B1

  • ናይ KNM ፈተና

ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ኣብ ደረጃ B1 ናይ ቋንቋ ፈተናታት ክትሓልፍ ኣይከኣልካን ዲኻ? ስለዚ ኣብ ደረጃ A2 ፈተና ምግባር ይከኣል እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክነግረካ ይኽእል እዩ።

ትምህርታዊ መንገዲ (መንገዲ-o)

ዕላማ ናይ ትምህርታዊ መንገዲ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ከም በዓል

ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (MBO)
ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (HBO)
፣ ወይ
ዩኒቨርሲቲ
ዝኣመሰሉ ትምህርቲ ንምክትታልን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ምውህሃድካ ንምዝዛምን እዩ። መንገዲ-o ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ ብደረጃ B1 ወይ B2 ትመሃር።

  • ብድምር 1000 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድን፣ 500 ሰዓታት ናይ ካልኦት ዓውዲታት-ትምህርትን ትከታተል።

  • 
ነቲ ምምሕዳር ከተማ ዝውድቦ

    'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል። 

እዞም ዝስዕቡ ፈተናታት ትወስድ፡

  • ምንባብ ብደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2

  • ምስማዕ ብደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2

  • ምጽሓፍ ብደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2

  • ምዝራብ ብደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2

  • ናይ

    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ፈተና።

ንኽትሓልፍ፣ ኣብ ኩሎም ክፋላት እኹል ነጥቢ ክትረክብ ኣለካ። ሃገራዊ ፈተና Staatsexamen B1 ሓሊፍካ ዲኻ? ስለዚ ናብ MBO ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኦም ናይ MBO ስልጠናታት ዓውደ-ትምህርቲ 'Nederlands op Staatsexamen B1' ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ትምህርትኻ ንምቕጻል ድማ ነቲ ዓውደ-ትምህርቲ ክትሓልፎ ኣለካ።

ሃገራዊ ፈተና Staatsexamen B2 ሓሊፍካ ዲኻ? ስለዚ ናትካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ HBO ወይ ዩኒቨርሲቲ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ዝወሃብ ስልጠና ንምክትታል እኹል እዩ።

መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል (መንገዲ-z)

ዕላማ ናይ መንገዲ-z ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ንኽትሳተፍ ምእንቲ ክትክእል እዩ። 

  • ኣብ ኔዘርላንድ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ክትነብር ምእንቲ ክትክእል ቋንቋ ኔዘርላንድ ትመሃር። ቋንቋ ኔዘርላንድ ድማ ኣብ ደረጃ ቋንቋ A1 ትመሃር።

  • 800 ሰዓታት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትከታተል። 

  • ን800 ሰዓታት ዝጸንሕ ንጥፈታት ትከታተል፣ በዚ መንገዲ ድማ ብዛዕባ ኔዘርላንድ ዝያዳ ትመሃር። እዚ (ወለንታዊ) ስራሕ ክኸውን ይኽእል። ወይ ንኣብነት ፈጠራዊ ወይ ስፖርታዊ ንጥፈታት።

  • ምምሕዳር ከተማ ዝውድቦ

    'መስርሕ መግለጺ ተሳትፎ' (PVT)
    ትከታተል።  

  • 'ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን' (MAP)
    ትከታተል።

  • ናይ

    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ትምህርቲ ትከታተል።

መንገዲ-z ብምኽታል ምውህሃድካ እትሓልፍ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንስኻ ንገዛእ-ርእስኻ ኣብ ኔዘርላንድ ብግቡእ ከተመሓድር እትኽእል ኮይንካ እንተድኣ ረኺብዎ እዩ። ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣብ እትገብሮ ዝርርብ ድማ እቲ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ዝሓለፍካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክውስን እዩ። ስለዚ ፈተና ክትወስድ ኣየድልየካን እዩ። ግን ይፍቀድ እዩ።

ነዞም ፈተናታት ብወለንታኻ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡

  • ቋንቋ ኔዘርላንድ (ምዝራብ፣ ምጽሓፍ፣ ምስማዕን ምንባብን)

  • ናይ

    'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
    ፈተና።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?