
ምንጪ፡ Mikhail Nilov
ፈተናታት ትገብር
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
'መንገዲ-B1' ከምኡ እውን 'ትምህርታዊ መንገዲ' ኣብ እትከታተለሉ እዋን ፈተናታት ክትገብር ግዴታ ኣለካ። እዚ ን'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' ግዴታ ኣይኮነን። ስለዚ ፈተና ክትወስድ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
'መንገዲ-B1'
'መንገዲ-B1' ብዝምልከት ነዞም ዝስዕቡ ፈተናታት ክትገብር ኣለካ፡
ናይ ምንባብ ፈተና ኣብ ደረጃ ቋንቋ B1
ናይ ምስማዕ ፈተና ኣብ ደረጃ ቋንቋ B1
ናይ ምጽሓፍ ፈተና ኣብ ደረጃ ቋንቋ B1
ናይ ምዝራብ ፈተና ኣብ ደረጃ ቋንቋ B1
ናይ
ፈተና።'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ኣብ ደረጃ B1 ናይ ቋንቋ ፈተናታት ክትሓልፍ ኣይከኣልካን ዲኻ? ስለዚ ኣብ ደረጃ A2 ፈተና ምግባር ይከኣል እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ክነግረካ ይኽእል እዩ።
'ትምህርታዊ መንገዲ'
ሃገራዊ ፈተና Staatsexamen B1 ሓሊፍካ ዲኻ? ስለዚ ናብ mbo (ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ) ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኦም ናይ mbo ስልጠናታት ዓውደ-ትምህርቲ 'Nederlands op Staatsexamen B1' ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ትምህርትኻ ንምቕጻል ድማ ነቲ ዓውደ-ትምህርቲ ክትሓልፎ ኣለካ።
ሃገራዊ ፈተና Staatsexamen B2 ሓሊፍካ ዲኻ? ስለዚ ናትካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ hbo (ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ) ወይ ዩኒቨርሲቲ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ዝወሃብ ስልጠና ንምክትታል እኹል እዩ።
'ትምህርታዊ መንገዲ' ብዝምልከት ነዞም ዝስዕቡ ፈተናታት ክትገብር ኣለካ፡
ናይ ምንባብ ፈተና ኣብ ደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2
ናይ ምስማዕ ፈተና ኣብ ደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2
ናይ ምጽሓፍ ፈተና ኣብ ደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2
ናይ ምዝራብ ፈተና ኣብ ደረጃ ቋንቋ B1 ወይ B2
ናይ
ፈተና።'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
ንኽትሓልፍ ድማ ኣብ ኩሎም ክፋላት እኹል ነጥቢ ክትረክብ ኣለካ።
'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል'
'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' ብምኽታል ምውህሃድካ እትሓልፍ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንስኻ ንገዛእ-ርእስኻ ኣብ ኔዘርላንድ ብግቡእ ከተመሓድር እትኽእል ኮይንካ እንተድኣ ረኺብዎ እዩ። ኣብቲ ምስ ምምሕዳር ከተማ እትገብሮ ዝርርብ ድማ እቲ ናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ዝሓለፍካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይውስን።
ስለዚ ፈተና ምግባር ኣየድልየካን እዩ። ግን ይፍቀድ እዩ። ነዞም ፈተናታት ብወለንታኻ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡
ቋንቋ ኔዘርላንድ (ምዝራብ፣ ምጽሓፍ፣ ምስማዕን ምንባብን)
ናይ
ፈተና።'ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)