• ጀምር
  • ቤት-ትምህርቲ ባዕልኻ ትመርጽ
ተማሃሮ ዘለዎ ክፍሊ።
ምንጪ፡ Keira Burton

ቤት-ትምህርቲ ባዕልኻ ትመርጽ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 4:16 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንምውህሃድ ዝምልከት ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ክትወሃሃደሉ እትደልዮ ቤት-ትምህርቲ ትመርጽ። ንምውህሃድካ ንምኽፋል ገንዘብ ክትልቃሕ እንተድኣ ደሊኻ ድማ እቲ ቤት-ትምህርቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከማልእ ኣለዎ።

ምሳኻ ዝሰማማዕ ቤት-ትምህርቲ ምረጽ

እንታይ ዓይነት ቤት-ትምህርቲ ምስ ኩነትካ፣ ተኽእሎታትካን ዕላማታትካን ከም ዝሰማማዕ ሕሰበሉ። 

ኣብ እዋን ቀትሪ ዲኻ ትሰርሕ? ስለዚ ንኽትወሃሃድ ምሸት ምሸት ናብ ቤት-ትምህርቲ ንኽትከይድ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ትምህርትኻ ክትቅጽል ዲኻ ትደልይ? ስለዚ ብደረጃ ቋንቋ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
B1
ወይ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
B2
እትውድኦ ስልጠና ምረጽ። ናብ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (hbo)
ወይ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ዩኒቨርሲቲ
ክትከይድ ምስ እትደልይ ድማ B2 የድልየካ።

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ፣ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ቤት-ትምህርቲ ኣብ እትመርጸሉ እዋን ነዚ ከተቕልበሉ ኣለካ

ቦታ

ምእንቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ጒዕዞ ከይተሕልፍ፣ ናብ ገዛኻ ወይ ስራሕካ ዝቐረበ ቤት-ትምህርቲ ምምራጽ ጠቓሚ እዩ።

ብዝሒ ሰዓታት ትምህርቲ

ሓደ ቤት-ትምህርቲ ዝህቦ ብዝሒ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ክፈላለይ ይኽእል እዩ። ክንደይ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ከም ዘድልየካን፣ እቲ ቤት-ትምህርቲ ነዚ ከቕርብ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርኣይ ድማ ኣገዳሲ እዩ።

ደገፍ

ገለ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኣብነት ስራሕ ወይ መንበሪ-ቤት ኣብ ምርካብ ተወሳኺ ደገፍ ይህባ እየን። ገና ሕጂ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጻእካ ምስ እትኸውን ድማ እዚ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ወጻኢታት

ወጻኢታት ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ኣብ ነፍስወከፍ ቤት-ትምህርቲ ክፈላለይ ይኽእል እዩ። እቲ ወጻኢታት ምስ ባጀትካ ዝሰማማዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ።

ብቕዓት

ብቕዓት ናይ መምህራንን መምሃሪ ናውትን ብዝምልከት መጽናዕቲ ምግባር ጽቡቕ እዩ።

ተዓጻጻፍነት

ገሊአን ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጻጻፊ ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ይህባ እየን። ክትሰርሕ ስለዘለካ ወይ ቆልዑት ስለ ዘለዉኻን ኣብ ዝተወሰኑ ግዜታት ንዕኦም ክትብል ኣብኡ ክትህሉው ስለዘለካን፣ ዝያዳ ዝጥዕመካ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ክትመርጽ ምስ እትኽእል ጠቓሚ እዩ።

ንምውህሃድካ ዝኸውን ገንዘብ ንምልቃሕ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት

ንምውህሃድካ ዝኸውን ገንዘብ ካብ DUO ክትልቃሕ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ መለለዪ ብቕዓት

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
'Blik op Werk'
ዘለዎ ቤት-ትምህርቲ ክትመርጽ ኣለካ።

ንናይ ምውህሃድ ስልጠናኻን ንፈተናታትካን ዝኸውን ገንዘብ ካብ DUO ክትልቃሕ እትኽእል ነዘን ኣብያተ-ትምህርቲ ጥራይ እዩ። እዚ ንኻልኦት ኣብያተ-ትምህርቲ ዝከኣል ኣይኮነን።

ናብ ካልእ ቤት-ትምህርቲ ክትሰጋገር ትኽእል ኢኻ

ስልጠና ዝጀመርካ፣ ግን ድማ እዚ ምስ ድሌታትካ ብግቡእ ዘይሰማማዕ ክኸውን ከጋጥም ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ምስግጋር ይከኣል እዩ። እዚ ግን ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ዝሓትት ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ብዛዕባ እቲ እትምዝገበሉ ቤት-ትምህርቲ ኣቐዲምካ ጽቡቕ ሓበሬታ ከምዝረኸብካ ኣረጋግጽ። ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ ምንጽጻር ድማ ዝሓሸ ምርጫ ንኽትገብርን ድሒሩ ጸገማት ከይፍጠር ንኸተወግድን ይሕግዘካ እዩ። ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ብዛዕባ እዚ ክድግፈካ ይኽእል እዩ።

ናብ ቤት-ትምህርትኻ ንምጉዓዝ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ካሕሳ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ

ካብ መንበሪ ቦታኻ ወጻኢ ዲኻ ስልጠና ክትከታተል ትመርጽ? ኣብ ገሊአን ምምሕዳራት ከተማ ናይ መጎዓዝያ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ነዚ ኣይህባን እየን። ነዚ ብዝምልከት ንምምሕዳር ከተማኻ ሕተት።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ቅድሚ 1 ጥሪ 2022 ምውህሃድ ምጅማር