ዜናዕዳጋ
ሰባት ብድሕሪ ኮምፒተር ኮፍ ይብሉ።
ምንጪ፡ Mikhail Nilov
ሓበሬታ
ትምህርትታት ትከታተልን ፈተናታት ትገብርን
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/6/2024 1:51 ድ.ቀ.

ምውህሃድ እትሓልፍ፣ ትምህርትታት እንተድኣ ተኸታቲልካን ብድሕሪኡ 6 ዝተፈላለዩ ፈተናታት ምስ እትሓልፍን እዩ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ቋንቋ ኔዘርላንድ ትመሃር

ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትከታተል። ቋንቋ ኔዘርላንድ እንተወሓደ ኣብ ደረጃ

A2
ኣብዞም ዝስዕቡ 4 ክፋላት እንተመሊኽካዮ ድማ ትሓልፍ፡

  • ምጽሓፍ

  • ምዝራብ

  • ምስማዕ

  • ምንባብ

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝለዓለ ደረጃ ክትመሃሮ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብፍላይ ቀልጢፍካ ስራሕ ክትጅምር ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትከታተል ምስ እትደልይ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ደረጃ ቋንቋ

B1
ወይ
B2
የድልየካ።

ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ትመሃር

ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ትከታተል። ብድሕሪኡ ፈተና ትገብር። እዚ ድማ

'ኣፍልጦሕብረተሰብ ኔዘርላንድ' (KNM)
ይበሃል። ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሕግታትን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ሰባት ኣገደስቲ እዮም ኢሎም ዝሓስብዎምን ዝምልከት ድማ እዩ።  

እቲ ፈተና ብዛዕባ 8 ቴማታት ናይ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ዝምልከት እዩ፡

  • ስራሕን ኣታዊን

  • ስነ-ምግባር፣ ክብሪታትን ልምዲታትን

  • ምንባር

  • ጥዕናን ክንክን ጥዕናን

  • ታሪኽን ጂኦግራፊን

  • ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ተቕዋማት

  • ፖለቲካን ሕግን

  • ትምህርትን ኣተዓባብያን

ነቲ ፈተና ንምሕላፍ እንታይ ክትፈልጥን ክትክእልን ከምዘለካ ኣብ ነፍስወከፍ ቴማ ተገሊጹ ይርከብ። ንኣብነት ኣብ "ትምህርትን ኣተዓባብያን"፣ ስርዓተ-ትምህርቲ ናይ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ሓደ ስልጠና ንምክትታል ብኸመይ ክትከፍል ከም እትኽእልን ትመሃር።

ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ትመሃር

ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ዝምልከት ትምህርቲ እውን ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ 'ምእዘና ናይ ዕዳጋ-ዕዮ ኔዘርላንድ' (ONA) ይበሃል። ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ምሳኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ብኸመይ ከም እትረክብ ትመሃር።

3 ክፋላት ክትሓልፍ ኣለካ፡

  • ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ኣብ ናይ ምድላው ምዕራፍ ምምሃር

  • ፖርትፎሊዮ ምድላው

  • ናይ 64 ሰዓታት ስልጠና ወይ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ምስ

    ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO)

ነፍስወከፍ ክፋል እንታይ ከምዘጠቓልል ኣብ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ናይ ምድላው ምዕራፍ
ፖርትፎሊዮ ምድላው
ናይ መወዳእታ ዝርርብ ምስ DUO ወይ 64 ሰዓታት ስልጠና

ናይ ፈተናታት ወጻኢታት

ፈተናታት ኣብ 1 ግዜ ዲኻ ሓሊፍካ? ስለዚ ንወጻኢታት ፈተናታትካ ካብቲ ናይ DUO ልቓሕ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ብመንገዲ ቤት-ትምህርትኻ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣስተውዕል፡ ብዙሕ ፈተናታት ዳግማይ ክትወስድ እንተድኣ ዘለካ ኮይንካ፣ ልቓሕካ ክውዳእ ይኽእል እዩ። ሽዕኡ ነቲ ወጻኢታት ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?