• ጀምር
  • COA ምስ ሓደ ምምሕዳር ከተማ የጋጥመካ
ሓደ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ ጎደና።
ምንጪ፡ Daan Rink

COA ምስ ሓደ ምምሕዳር ከተማ የጋጥመካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 18/1/2024 9:56 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ጸዲቚ፣ ገዛ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ድማ ንዓኻ ዝኸውን ምምሕዳር ከተማ ይመርጸልካ። ብድሕሪኡ እቲ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ክህበካ እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ክትመርጽ ኣይፍቀደልካን እዩ

ዘመልከትካዮ ዑቕባ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ጸዲቚ ድዩ? ስለዚ COA ንዓኻ ዝኸውን ምምሕዳር ከተማ ክመርጸልካ እዩ።
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
COA
ዘመልከትካዮ ዑቕባ ድሕሪ ምጽዳቚ ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ምስ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ከጋጥመካ ኣለዎ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ክደልየልካ እዩ።

እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ክትመርጽ ኣይፍቀደልካን እዩ። ምስ ኣየናይ ምምሕዳር ከተማ ክትጋጠም ምዃንካ ድማ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ክንደይ ቦታ ከምዘሎ ዝምርኮስ እዩ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ዝኾኑ ክንደይ ገዛውቲ ከምዘለዉ ከከም ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ። ዓብይ ዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ካብ ንእሽተይ ምምሕዳር ከተማ ንላዕሊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ዝኾኑ ዝያዳ ገዛውቲ ኣለዎ።

COA ንኹነታትካ ኣብ ግምት ከእቱው ይፍትን

COA ምስ ኩነታትካ ብዝበለጸ ዝሰማማዕ ምምሕዳር ከተማ ክመርጽ ይፍትን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ COA ብዛዕባ ኩነታትካ ሓበሬታ ንኽትህብ ዝሓተካ። ንኣብነት COA ስድራኻ ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ፣ እንታይ ዓይነት ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትደልይን፣ ክትመሃር ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይሓተካ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምርጫኻ ዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ንCOA ክትሕብር ትኽእል ኢኻ

ኣብ ጥቓ ሓደ ዝተወሰነ ምምሕዳር ከተማ ክትነብር ብቚዕ ምኽንያት እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ ብዛዕባ እዚ ንCOA ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ካብዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ምኽንያታት 1 ንዓኻ ይምልከት ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን COA ካብቲ ክትነብረሉ እትደልዮ ቦታ ኣብ ውሽጢ 50 ኪሎ ሜተር ገዛ ንኽረኽበካ ክፍትን እዩ።

  • ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ቦታ ትምህርቲ ክትከታተል ምስ እትኸውን። ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ቦታ ንኽትከታተሎ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን።

  • እንተወሓደ ን6 ኣዋርሕ እትሰርሓሉ ስራሕ ምስ ዝህልወካን፣ ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ን20 ሰዓታት ትሰርሕ ምስ እትኸውንን።

  • ብፍሉይ ሓኪም ጥራይ ክወሃብ ዝኽእል ሕክምናዊ ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ።

  • ኣብ ኔዘርላንድ ድሮ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ምምሕዳር ከተማ ዝነብሩ ወለዲ፣ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ምስ ዝህልዉኻን ኣብ ቀረባኦም ክትነብር ምስ እትደልይን።

COA ነዞም ፍሉያት ምኽንያታት ዝርእዮም ነዚ ብዝምልከት ብጽሑፍ መርትዖ ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ።

ቅጥዒ ምላእ

ከምዚ ዝበለ ምኽንያት ንዓኻ ዝምልከት ምኻኑ ንCOA ከተረጋግጽ ኣለካ። ነዚ ድማ ኣብ ሓደ ቅጥዒ ክትመልኦ ኣለካ። ነዚ ቅጥዒ ካብ COA ክትረኽቦ ኢኻ።

እዚ ኣይገብርካን ዲኻ? ወይ COA ንዓኻ ድሮ ምስ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ምስ ኣጋጠመካ ጥራይ ዲኻ ነቲ ምኽንያት ሂብካ? ስለዚ COA ነቲ ምርጫኻ ዝኾነ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣየድልዮን እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ብኸምዚ ኢኻ ገዛ ትረክብ