• ጀምር
  • ምምሕዳር ከተማኻ ገዛ የቕርበልካ
ኣብ ሓደ ገዛ ዝርከብ ባዶ ክፍሊ።
ምንጪ፡ Max Rahubovskiy

ምምሕዳር ከተማኻ ገዛ የቕርበልካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:50 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ንዓኻ ዝኸውን ምምሕዳር ከተማ ድሕሪ ምምራጹ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ክረኽበልካ ኣለዎ። እዚ እንታይ ዓይነት ገዛ ምዃኑ ድማ ኣብ ኩነታትካ ዝምርኮስ እዩ።

ምምሕዳር ከተማ ገዛ ክሳብ ዝረክብ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ

ምምሕዳራት ከተማ ገዛ ንኽረኽባልካ ብወግዒ 10 ሳምንታት ኣለወን። ኣብ ኔዘርላንድ ኣዝዮም ውሑዳት ኣባይቲ ስለዘለዉ ግን፣ ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ክሳብ ዝርከብ ብማእከላይ ገምጋም ሓያሎ ኣዋርሕ እዩ ዝወስድ። ገዛ ክሳብ ዝወሃበካ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
COA
ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ገዛ ቀልጢፉ ንኽርከበልካ ድማ ክትገብሮ እትኽእል ዋላ ሓደ ነገር የለን።

ምስ ኣታዊኻን ብዝሒ ኣባላት ስድራ-ቤትካን ዝሰማማዕ ገዛ ትረክብ

ምምሕዳራት ከተማ ምስ ኩነታትካ ዝሰማማዕ ገዛ እየን ዝመርጻልካ። ብዛዕባ እዚ ኣታዊኻ፣ ብዝሒ ስድራ-ቤትካን ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘመልከትካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣብ ግምት የእትውዎ። እዚ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝኸውን ርእሱ ዝኸኣለ ዝካረይ ገዛ፣ ንሓጺር ግዜ ዝኸውን ገዛ ወይ ድማ ምስ ብዙሓት ሰባት እትካፈሎ ሓባራዊ ገዛ ክኸውን ይኽእል።

ሓባራዊ ገዛ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኔዘርላንድ ስድራ ዘይብልካ ብዕድመ ንእሽተይን ንበይንኻን ምስ እትኸውን ዝዓለመ እዩ። ወይ ድማ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንዘመልከቱ፣ ግን ድማ ስድራ-ቤቶም ገና ኣብ ኔዘርላንድ ዘይመጽኡ ሰባት ዝዓለመ እዩ። ስለዚ ስድራኻ ናብ ኔዘርላንድ ክሳብ ዝመጽኡን እቲ ምምሕዳር ከተማ ንመላእ ስድራ-ቤትካ ዝኸውን ገዛ ክሳብ ዘቕርበልካን ንግዚኡ ኣብ ሓባራዊ ገዛ ትነብር።

ብዝኾነ እቲ ገዛ ማሕበራዊ ክራይ ገዛ እዩ። እዚኦም ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝካረዩ ሕሱራት ገዛውቲ እዮም።

ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ምስ ዝህሉው ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ

እቲ ምምሕዳር ከተማ ገዛ እንተድኣ ረኺቡልካ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብቲ ደብዳቤ ድማ መዓስ ነቲ ገዛ ክትርእዮን፣ ናይ ክራይ ውዕል ክትፍርምን ከም እትኽእል ተጠቒሱ ይርከብ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ 1 ግዜ ጥራይ እዩ ገዛ ዘቕርበልካ። ኣብ መንጎ ገዛውቲ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ከምኡ እውን ካብ ምምሕዳር ከተማ 1 ኣማራጺ ጥራይ ኢኻ ትረክብ። ነቲ ገዛ እንተድኣ ነጺግካዮ፣ ሓድሽ ገዛ ኣይክወሃበካን እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ብኸምዚ ኢኻ ገዛ ትረክብ