ሓደ ሰብ ክታሙ ኣብ ውዕል የንብር።
ምንጪ፡ Karolina Grabowska

ነቲ ገዛ ትቕበሎ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 1:13 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ምምሕዳር ከተማ ገዛ እንተድኣ ኣቕሪቡልካ፣ ነቲ ገዛ ንምቕባል ሓያሎ ነገራት ክትገብር ኣለካ። ብዛዕባኡ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ገዛ ትርእዮ

ንዓኻ ዝኸውን ገዛ ምስ ዝህሉው ብዛዕባ እዚ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብቲ ደብዳቤ ድማ መዓስ ነቲ ገዛ ክትርእዮ ከም እትኽእል ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ ድማ ናይ ርእየት ምብጻሕ ይበሃል።

መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ገዛ ኣብ እትርእየሉ መዓልቲ ኢኻ ናይቲ እትካረዮ ገዛ ውዕል ትፍርም። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ መጀመርታ ነቲ ገዛ እትርእዮ እሞ፣ ኣብ ድሒሩ ዝመጽእ ግዜ ኸኣ ነቲ ናይ ክራይ ውዕል ትፍርም።

ነቲ ናይ ክራይ ውዕል ትፍርም

ነቲ ገዛ ንምቕባል፣ ነቲ ናይ ክራይ ውዕል ክትፍርመሉ ኣለካ። እዚ ውዕል እዚ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣካራዪን ዝተገብሩ ስምምዓት ዝሓዘ እዩ። 

ኣብ ውዕል ክራይ መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ ሓበሬታ ከምዝጠቓለል ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

  • ስምካ

  • ስም ናይቲ ኣካራዪ

  • መጠን ክፍሊት ናይቲ ክራይ ገዛ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ገዛ ጥራይ እትኸፍሎ ዋጋ እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ንመብራህቲ፣ ጋዝን ማይን እትኸፍሎ መጠን ገንዘብ ዘጠቓልል ኣይኮነን።

  • እቲ ኣድራሻ

  • መግለጺ ናይቲ ዝተኻረየ ገዛ። ንኣብነት ብዝሒ ክፍልታትን፣ ጀርዲንን መኽዘንን ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን።

  • ውዕል ክራይ ዝጅምረሉ ዕለት

  • እትኸፍለሉ ዕለትን ኣገባብን

  • እቲ ዋጋ ክራይ ምናልባት ክውስኸሉ ዝኽእል ዕለት

  • ንነበርቲ ዝምልከቱ ሕግታት

  • ንጽገና ናይቲ ገዛ ዝምልከቱ ስምምዓት

  • ክታምካን ክታም ናይ ኣካራዪን

ነቲ ገዛ ክትቅበሎ ኣለካ

ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኩነታት ነቲ ገዛ ንኽትቅበሎ ግዴታ ኣለካ፣ ስለዚ ድማ ነቲ ናይ ክራይ ውዕል ክትፍርም ኣለካ። እዚ ኣይትገብርን ዲኻ? ስለዚ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
'መስርሕ ምንጻግ መንበሪ-ቤት' ክጅምር ይኽእል እዩ።

እዚ ማለት COA ነቲ ገዛ ነጺግካዮ ይብል ማለት እዩ። ብድሕሪኡ ገዛ ከይሃለወካ እንከሎ ካብቲ መዕቆቢ ናይ COA ለቂቕካ ንኽትወጽእ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ብኸምዚ ኢኻ ገዛ ትረክብ