
ግብሪ ኣብ ኔዘርላንድ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ DigiD ምርካብን ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ግብሪታትን ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ምምልካት DigiD
ኣበላት ንምምልካትን ግብሪ ንምውዳድን DigiD የድልየካ። DigiD ማለት ዲጂታላዊ መንነት ማለት እዩ። ምስ ሓደ መንግስታዊ ትካል ብኢንተርነት ገለ ጉዳይ ከተዋድድ ምስ እትደልይ፣ ብናትካ DigiD ንስኻ መን ምዃንካ ከተፍልጥ ትኽእል። DigiD ንምርካብ ባዕልኻ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ሓገዝ እንተድኣ ዘድልየካ ኮይኑ ድማ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ን/ወይ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኣየናይ ተቕዋም ክድግፈካ ከም ዝኽእል ሕተት። እቲ ናይ DigiD መምርሒ እውን DigiD ንምርካብ ንኸተመልክት ይሕግዘካ እዩ።
ምምልካት ግብሪ
ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ ደሞዝካ፣ ጥቕምኻ ወይ ጡረታኻ ግብሪ ደሞዝ ከምኡ እውን ኣበርክቶታት ማሕበራዊ ድሕነት ትኸፍል። ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ድማ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ምምልካት ግብሪ ትገብር። ብኸምዚ መንገዲ በዓል-መዚ ግብሪ እቲ ንግብሪ ደሞዝን ኣበርክቶታት ድሕነትን ዝኸፈልካዮ መጠን ገንዘብ ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክቕምሮ ይኽእል። ብድሕሪኡ እዚ ይቕመር እሞ ገንዘብ ይምለሰልካ ወይ ድማ መመላእታ ገንዘብ ክትከፍል ክትግደድ። ነዚ መስርሕ እዚ 'ምምልካት ግብሪ' ኢልና ንጽውዖ። መብዛሕትኦም ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ናይ 2022 መመልከቲ ግብሪ ምግባር ኣየድልዮምን እዩ። ምምልካት ግብሪ ክትገብር ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ እንተድኣ መጺኡካ ግን ከምኡ ክትገብር ኣለካ። ደብዳቤ እንተድኣ ዘይመጺኡካ እዚ ምግባር ኣየድልይን እዩ።
ምምልካት ግብሪ ባዕልኻ ከትገብሮ ትኽእል ኢኻ፣ እንተኾነ ግን ሓገዝ ምሕታት ይምከር። ንዓመተ 2022 ዝኸውን ፍሉይ ቅጥዒ ክምላእ ኣለዎ። እዚ ቅጥዒ እዚ ቅጥዒ-M ይበሃል። እዚ ቅጥዒ እዚ ዓመት ምሉእ ኣብ ኔዘርላንድ ንዘይተቐመጡ ሰባት ብፍሉይ ዝተዳለወ እዩ። ነዚ ቅጥዒ ብDigiD ድሕሪ ምእታውካ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ሓገዝ እንተድኣ ዘድልየካ ኮይኑ ድማ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ን/ወይ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኣየናይ ተቕዋም ክድግፈካ ከም ዝኽእል ሕተት።
ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ
ብኣስራሒ ተቖጺርካ እንተድኣ ትሰርሕ ኮይንካ፣ ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ቅነሳ ማለት ውሑድ ግብሪ ደሞዝ ትኸፍልን ዝያዳ ደሞዝ ትኽፈልን ማለት እዩ። ነዚ ቅነሳ ንምርካብ ካብ ኣስራሒኻ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ እዋን ንብዙሓት ኣስራሕቲ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ድማ ካብ ሓደ ኣስራሒ ጥራይ ኢኻ ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ንምርካብ ከተመልክት እትኽእል።
ግብሪታት ምምሕዳር ከተማ
ርእሱ ዝኸኣለ ገዛ እንተድኣ ተኻሪኻ፣ ምናልባት ናይ ምምሕዳር ከተማ ግብሪታት ክትከፍል ዘለካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ናይ ግብሪታት ቁጽርን መጠኖምን ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ።
ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት፣ ግብሪታት ምምሕዳር ከተማ ክቕነሱ ወይ ሕድገት ክግበረሎም ይኽእል እዩ። ቅነሳ ወይ ሕድገት ንኽግበረልካ ብቑዕ ምዃንካን ዘይምዃንካን ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ይግምግም። እዚ ገምጋም ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ክፈላለይ ይኽእል እዩ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ንኣታዊኻን ንርእሰ-ማልካን ይርእይ፣ ከምኡ እውን ኣብኡ ተሞርኲሱ ክንደይ ክትከፍል ከም እትኽእል ይቕምር። ብዛዕባ ናይ ምምሕዳር ከተማ ቅነሳ ወይ ሕድገት ግብሪ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ንምምሕዳር ከተማኻ ተወከስ።