ዓንቀጽ

እዚኦም ኣብ ኔዘርላንድ እትኸፍሎም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ግብሪ እዮም

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/4/2025 11:37 ቅ.ቀ.

ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ DigiD ምርካብን ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ግብሪታትን ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ርክብ ምስ VluchtelingenWerk

ናይ VluchtelingenWerk Nederland ዝርዝር መወከሲታትን ናይ ምኽሪ ሰዓታት ካርድን ኣብዚ ገጽ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ

ብኣስራሒ ተቖጺርካ እንተድኣ ትሰርሕ ኮይንካ፣ ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ቅነሳ ማለት ውሑድ ግብሪ ደሞዝ ትኸፍልን ዝያዳ ደሞዝ ትኽፈልን ማለት እዩ። ነዚ ቅነሳ ንምርካብ ካብ ኣስራሒኻ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ እዋን ንብዙሓት ኣስራሕቲ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ድማ ካብ ሓደ ኣስራሒ ጥራይ ኢኻ ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ንምርካብ ከተመልክት እትኽእል።

ግብሪታት ምምሕዳር ከተማ

ርእሱ ዝኸኣለ ገዛ እንተድኣ ተኻሪኻ፣ ምናልባት ናይ ምምሕዳር ከተማ ግብሪታት ክትከፍል ዘለካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ናይ ግብሪታት ቁጽርን መጠኖምን ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ። 

ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት፣ ግብሪታት ምምሕዳር ከተማ ክቕነሱ ወይ ሕድገት ክግበረሎም ይኽእል እዩ። ቅነሳ ወይ ሕድገት ንኽግበረልካ ብቑዕ ምዃንካን ዘይምዃንካን ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ይግምግም። እዚ ገምጋም ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ክፈላለይ ይኽእል እዩ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ንኣታዊኻን ንርእሰ-ማልካን ይርእይ፣ ከምኡ እውን ኣብኡ ተሞርኲሱ ክንደይ ክትከፍል ከም እትኽእል ይቕምር። ብዛዕባ ናይ ምምሕዳር ከተማ ቅነሳ ወይ ሕድገት ግብሪ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ንምምሕዳር ከተማኻ ተወከስ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር