ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Twee artsen kijken naar een röntgenfoto

ምንጪ፡ Antoni Shkraba

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ነዚ ናይ መድሕን ጥዕና ውዕል ክትገብር ኣለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 11:17 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ ዲኻ? ስለዚ ካብቲ ናይ ዑቕባ ፍቓድካ ተግባራዊ ዝኾነሉ እዋን ጀሚርካ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ናይ መድሕን ጥዕና ውዕል ንኽትኣቱው ናይ 4 ኣዋርሕ ግዜ ኣለካ። መድሕን ጥዕናኻ ድማ ካብቲ መንበሪ ፍቓድካ ዝረኸብካሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ይኸውን።

ናይ መሰረታዊ መድሕን ውዕል ክትኣቱው ግዴታ ኣለካ

ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብር ሰብ መሰረታዊ መድሕን ክህልዎ ግዴታ እዩ። ስለዚ ድማ መሰረታዊ ክንክን ንኽትረክብ መድሕን ይህልወካ። ከም ኣብነት ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሆስፒታል፣ ሓኪም ኣእምሮን ቤት-መድሃኒትን ክትሓስብ ትኽእል። መሰረታዊ ክንክን ንምጥቃም ነፍስወከፍ ወርሒ ሓደ ቀዋሚ መጠን ገንዘብ ትኸፍል። እዚ ክፍሊት ውዕል መድሕን ይበሃል። ነፍስወከፍ ዓመት ቅድሚ ወርሒ ጥሪ ካልእ መድሕን ጥዕና ክትመርጽ ድማ ትኽእል ኢኻ።

መመላእታ መድሕን ጥዕና ክትገብር ትደልይ እንተኾንካ ክትመርጽ እውን ትኽእል ኢኻ

ብዘይካ እቲ መሰረታዊ መድሕን፣ መመላእታ መድሕን ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ወርሓዊ ዝያዳ ገንዘብ ይሓትት። መመላእታ መድሕን፣ መሰረታዊ መድሕን ዘይሽፍኖም ተወሰኽቲ ወጻኢታት ዝሽፍን እዩ። ንኣብነት መድሕን ስኒ፣ ከምኡ እውን መነጽር ወይ ሌንሳት ወይ ፊዚዮቴራፒ ምስ ዘድልየካ ዝግበር መድሕን። እቲ መመላእታ መድሕን ግዴታ ኣይኮነን። ነፍስወከፍ ዓመት ድማ ቅድሚ ወርሒ ጥሪ መመላእታ መድሕን ጥዕና ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

መጠን ናይቲ ባዕላዊ ብጽሒትካ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ርእሲ እቲ መሰረታዊ መድሕን፣ ናይ ዝገበርካዮ ወጻኢታት ክንክን ጥዕና እውን ገንዘብ ትኸፍል ኢኻ። እዚ ባዕላዊ ብጽሒት ይበሃል። እቲ ናይ መጀመርታ €385 ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎ። እዚ መጠን ገንዘብ ክሳብ 2025 ከምዘለዎ ክቕጽል እዩ። ብድሕሪኡ መድሕን ጥዕናኻ ነቲ ወጻኢታት ክኸፍል እዩ። ንመሰረታዊ መድሕን ብዝምልከት ነፍስወከፍ በጽሒ ናይ €385 ግዴታዊ ባዕላዊ ብጽሒት ኣለዎ። እቲ ባዕላዊ ብጽሒት ንኸም በዓል ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ስነ-መወልዳን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ዓይነታት ክንክን ኣይምልከትን እዩ። ነዚ ባዕልኻ ዝኾነ መጠን ገንዘብ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ።

ንኣብነት ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ከይድካ፣ እቲ ሓኪም ድማ መድሃኒት ኣዚዙልካ ንበል። ምስ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ንዝግበር ምምኽኻር ወይ ካብኡ ንእትረኽቦ ሕክምና ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ፣ እዚ ብውዕል መድሕንካ እዩ ዝሽፈን። ነቶም መድሃኒታት ግን ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎም፣ ምኽንያቱ ድማ ኣካል ናይቲ ባዕላዊ ብጽሒትካ ስለዝኾኑ እዩ። ብድምር €500 ዝዋግኦም ንዓመት ምሉእ ዝኾኑ መድሃኒታት ተቐቢልካ ንበል። ስለዚ ነቲ €385 ባዕልኻ ትኸፍሎ። እቲ መድሕን ጥዕና ድማ ነቲ ዝተረፈ ይኸፍሎ።

መብዛሕትኦም ትካላት መድሕን ጥዕና፣ ነቲ ግዴታዊ ባዕላዊ ብጽሒት ኣቐዲምካ ወርሓዊ ንኽትከፍሎ ኣማራጺ ይህቡኻ እዮም። ስለዚ ወርሓዊ ብዘይካ እቲ ክፍሊት ውዕል መድሕንካ፣ ንባዕላዊ ብጽሒትካ ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ እውን ትኸፍል። ከምዚ ክትገብር እንተድኣ መሪጽካ፣ ግን ድማ ​​ንብምልኡ እቲ ገንዘብ እንተድኣ ዘይወዳእካዮ፣ እቲ መድሕን ጥዕና ገንዘብካ ክመልሰልካ እዩ። 

ልዑል ባዕላዊ ብጽሒት ክትከፍል እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ትሑት ክፍሊት ውዕል መድሕን ትኸፍል፣ ንክንክን ግን ዝያዳ ባዕልኻ ክትከፍል ኣለካ። እዚ ውሑድ ክንክን ዘድልየካን፣ ንእትረኽቦ ክንክን ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘኽእል ብዙሕ ውህሉል ገንዘብ ዘለካን ምስ እትኸውን ጠቓሚ እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ውዕል መድሕን ጥዕና ምምራጽ

ኣብዚ መርሓ ስጉምቲ