• ጀምር
  • ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትገብር ኣለካ
ክልተ ሓካይም ናብ ራጂ ይርእዩ
ምንጪ፡ Antoni Shkraba

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትገብር ኣለካ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/5/2024 8:57 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ ዲኻ? ስለዚ ናይ ባዕልኻ ገዛ ምስ ረኸብካ ቀልጢፍካ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትገብር ኣለካ። ኣብዚ ገጽ ውዕል መድሕን ጥዕና ምግባር ብዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ መሰረታዊ መድሕን ውዕል ክትኣቱው ግዴታ ኣለካ

ነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብር ሰብ መሰረታዊ መድሕን ክህልዎ ግዴታ እዩ። ስለዚ ድማ መሰረታዊ ክንክን ንኽትረክብ መድሕን ይህልወካ። ከም ኣብነት ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሆስፒታል፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ክንክንን ቤት-መድሃኒትን ክትሓስብ ትኽእል። መሰረታዊ ክንክን ንምጥቃም ነፍስወከፍ ወርሒ ሓደ ቀዋሚ መጠን ገንዘብ ትኸፍል። እዚ 'ክፍሊት ውዕል መድሕን' ይበሃል። ነፍስወከፍ ዓመት ቅድሚ ወርሒ ጥሪ ካልእ መድሕን ጥዕና ክትመርጽ ድማ ትኽእል ኢኻ።

መመላእታ መድሕን ጥዕና ክትገብር ትደልይ እንተኾንካ ክትመርጽ እውን ትኽእል ኢኻ

ብዘይካ እቲ መሰረታዊ መድሕን፣ መመላእታ መድሕን ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ወርሓዊ ዝያዳ ገንዘብ ይሓትት። መመላእታ መድሕን ብመሰረታዊ መድሕን ንዘይከሓሱ ተወሰኽቲ ወጻኢታት ዝኸፍል እዩ።

ንኣብነት መድሕን ስኒ፣ መነጽር ወይ ሌንስ ዘድልየካ ምስ ዝኸውን እትኣትዎ መድሕን፣ ወይ ንፊዚዮተራፒ። እቲ መመላእታ መድሕን ግዴታ ኣይኮነን። ነፍስወከፍ ዓመት ቅድሚ ወርሒ ጥሪ ድማ ዝደለኻዮ መመላእታ መድሕን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

መጠን ናይቲ ባዕላዊ ብጽሒትካ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ርእሲ እቲ መሰረታዊ መድሕን፣ ናይ ዝገበርካዮ ወጻኢታት ክንክን ጥዕና እውን ገንዘብ ትኸፍል ኢኻ። እዚ "ባዕላዊ ርከሳ (eigen risico)" ይበሃል። ካብቲ ወጻኢታት ክንክን ጥዕናኻ፣ ነቲ ናይ መጀመርታ € 385 ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎ። ብድሕሪኡ መድሕን ጥዕናኻ ነቲ ወጻኢታት ክኸፍል እዩ። ንመሰረታዊ መድሕን ብዝምልከት ነፍስወከፍ በጽሒ ናይ € 385 ግዴታዊ ባዕላዊ ርከሳ ኣለዎ። እቲ ባዕላዊ ርከሳ ንኸም በዓል ሓፈሻዊ ሓኪም ወይ ስነ-መወልዳን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ዓይነታት ክንክን ኣይምልከትን እዩ። ነዚ ባዕልኻ ዝኾነ መጠን ገንዘብ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ።

ንኣብነት ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ከይድካ፣ እቲ ሓኪም ድማ መድሃኒት ኣዚዙልካ ንበል። ምስ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ንዝግበር ምምኽኻር ወይ ካብኡ ንእትረኽቦ ሕክምና ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ፣ እዚ ብውዕል መድሕንካ እዩ ዝሽፈን። ነቶም መድሃኒታት ግን ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎም፣ ምኽንያቱ ድማ ኣካል ናይቲ ባዕላዊ ርከሳኻ ስለዝኾኑ እዩ። ብድምር € 500 ዝዋግኦም ንዓመት ምሉእ ዝኾኑኻ መድሃኒታት ተቐቢልካ ንበል። ስለዚ ነቲ € 385 ባዕልኻ ትኸፍሎ። እቲ መድሕን ጥዕና ድማ ነቲ ዝተረፈ ይኸፍሎ።

ንባዕላዊ ርከሳኻ ዘለዉ ተወሰኽቲ ኣማራጺታት

መብዛሕትኦም ትካላት መድሕን ጥዕና፣ ነቲ ግዴታዊ ባዕላዊ ርከሳ ኣቐዲምካ ወርሓዊ ንኽትከፍሎ ኣማራጺ ይህቡኻ እዮም። ስለዚ ወርሓዊ ብዘይካ እቲ ክፍሊት ውዕል መድሕንካ፣ ንባዕላዊ ርከሳኻ ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ እውን ትኸፍል። ከምዚ ክትገብር እንተድኣ መሪጽካ፣ ግን ድማ ​​ንብምልኡ እቲ ገንዘብ እንተድኣ ዘይወዳእካዮ፣ እቲ መድሕን ጥዕና ገንዘብካ ክመልሰልካ እዩ። 

ልዑል ባዕላዊ ርከሳ ክትከፍል እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ትሑት ክፍሊት ውዕል መድሕን ትኸፍል፣ ንክንክን ግን ዝያዳ ባዕልኻ ክትከፍል ኣለካ። እዚ ውሑድ ክንክን ዘድልየካን፣ ንእትረኽቦ ክንክን ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘኽእል ብዙሕ ውህሉል ገንዘብ ዘለካን ምስ እትኸውን ጠቓሚ እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?

መርሓ ስጉምቲ

ውዕል መድሕን ጥዕና ምምራጽ