ዜናዕዳጋ
ሓደ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሓኪም
ምንጪ፡ Pexels
ሓበሬታ
ውዕል መድሕን ጥዕና ብኸምዚ ኢኻ ትገብር
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 3/2/2024 6:26 ድ.ቀ.

ኣየናይ መድሕን ጥዕና ከም እትደልይ ትፈልጥ ዲኻ? ስለዚ ውዕል መድሕን ጥዕና ግበር። ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ኣብዚ ኣንብብ።

ውዕል መድሕን ጥዕና ንምግባር እዚ የድልየካ

ውዕል መድሕን ጥዕና ንምግባር እዚኦም ሓበሬታታት የድልዩኻ፡

  • ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)

  • ናይ ኔዘርላንድ ናይ ባንክ ሕሳብ

  • ሕጋዊ መንበሪ ኣድራሻ

ብኢንተርነት ውዕል መድሕን ክትገብር ትኽእል ኢኻ

ናብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ መድሕን ብምኻድ ዝደለኻዮ መድሕን ምረጽ። ነዚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ግበሮ። ዝርዝር ሓበሬታታትካ ብመንገዲ እቲ መርበብ-ሓበሬታ ምልኣዮም። ብድሕሪኡ ናይ መድሕን ጥዕናኻ መረጋገጺን ኩሎም ቅድመ-ኩነታትን ብኢ-መይል ክትቅበል ኢኻ። ነፍስወከፍ ዓመት ድማ ሓድሽ መድሕን ጥዕና ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣብ መንጎ መጀመርታ ወርሒ ሕዳርን መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስን ክትገብሮ ኣለካ።

ብኢንተርነት ውዕል መድሕን ክትገብር ይኸብደካ ድዩ? ስለዚ ናብቲ ትካል መድሕን ክትድውል ወይ ቻት ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ድማ ሓደ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ንኽሕግዘካ ሕተት።

ጌጋ ምርጫ ገይርካ ዲኻ? ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ነቲ ትካል መድሕንካ ነዚ ከም ዘይትደልዮ ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ኣብተን 14 መዓልታት ነቲ መድሕን ብነጻ ክትስርዞን ካልእ ክትመርጽን ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣበል ጥዕና ክትረክብ እውን ትኽእል ኢኻ

ትሑት ኣታዊ ድዩ ዘለካ? ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣበል ጥዕና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ መድሕንካ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ክትከፍል ዘኽእለካ ካብ መንግስቲ እትረኽቦ መጠን ገንዘብ እዩ።

መድሕን ጥዕናኻ ንምኽፋል ዘኽእል ኣበል ጥዕና
መዓስ ንመኽፈሊ መድሕን ጥዕናኻ ዝኸውን ናይ ጥዕና ኣበል ንምርካብ መሰል ከምዘለካ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?