ኣብ ካፈ ብድሕሪ ላፕቶፕ ኮፍ ዝበለ ሰብኣይ
ምንጪ፡ Edmond Dante
ዓንቀጽ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ምድላይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:30 ቅ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ትደልይ ዲኻ? ስራሕ ብኸመይ ከም እትረክብ ብዝምልከት ኣብዚ ገጽ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት ብኸመይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ከም እትደልይ። ወይ ድማ ብኸመይ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ከም እትረክብ?

ስራሕ ምድላይ

ብኢንተርነት ብመንገዲ 'LinkedIn' ወይ ከም በዓል 'Nationale Vacaturebank'

ከምኡ እውን 'Indeed'
ብዝኣመሰሉ ናይ ስራሕ መርበባት-ሓበሬታ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ክትሰርሓሉ እትደልዮ ትካል እውን ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ሽዕኡ እቲ ትካል ሰራሕተኛታት ዝደልይ እንተኾነ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ድኳናትን ኣብያተ-መግብን ይከኣል እዩ።

ብመንገዲ ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ምርካብ

ግዝያዊ ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኮይንካን ቀልጢፍካ ክትጅምር እንተደሊኻን፣ ኣብ ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ምምዝጋብ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ንኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዘጋጥም ውድብ እዩ። ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ከም ደላይ ስራሕ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ብሓባር ብምዃን ድማ፣ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትደልይ፣ ናይ ስራሕ ተመኩሮኻ እንታይ ምዃኑን፣ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ከም ዘለካን ብዝምልከት ክትዛተዩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሰራሕተኛ ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ክረክብ ይፍትን። ብግዝያዊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝርከብ ስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ግዝያዊ እዩ።

ስራሕ ኣብ ምርካብ ሓገዝ

እቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ከምኡ እውን

'Uitvoeringsinstituut Werknemersverzekeringen' (UWV)
ስራሕ ንኽትደልይ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ብዛዕባ እዚ እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ንሕቶታትካ ክምልሰልካ ወይ ኣብ ከባቢኻ ናብ ዝርከብ ቅኑዕ ውድብ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ።

ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቋንቋ፣ ብመንገዲ RefugeeWork ስራሕ ምርካብ

ክትሰርሕ እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RefugeeWork ንስራሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መድረኽ እቲ ብቋንቋኻ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ከም ዓይኒ ሓቂ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RefugeeWork ብ11 ቋንቋታት ዝተተርጎሙ ምልክታታት ስራሕ ክትረክብ ኢኻ። ብኸምኡ መንገዲ ድማ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዘሎ ብቛንቋኻ ከተንብብን፣ ከምኡ እውን ንኽትሰርሕ ክትመጽእ ከም እትደልይ ንኣስራሕቲ ክትሕብርን ትኽእል።

ኣብ RefugeeWork ንስኻ መን ምዃንካ ዝገልጽ ሓበሬታ ክትመልእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ RefugeeWork ሲቪ እውን ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። ሲቪ፣ ውልቃዊ ሓበሬታኻ፣ ትምህርትኻን ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ዘጠቓልል ገጽ እዩ። ሽዕኡ ምስቲ ዝሰማማዓካ ስራሕ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

RefugeeWork ብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝተጀመረ እዩ። እቲ መድረኽ ብሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያትን ዕዮን ኔዘርላንድ ዝድገፍ እዩ።

RefugeeWork
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RefugeeWork ተወከስ፣ ከምኡ እውን ብቋንቋኻ ናይ ስራሕ ዕድላት ርኸብ።
ወለንታዊ ስራሕ

ሓደ ሓደ ግዜ ብኡ ንብኡ ዝኽፈል ስራሕ ክትረክብ ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት እኹል ተመኩሮ ስለዘይብልካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ብመንገዲ መስርሕ ትምህርቲ-ስራሕ፣ ወለንታዊ ስራሕ ወይ ልምምድ ስራሕ ተመኩሮ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ወለንታዊ ስራሕ ማለት ንኻልኦት ሰባት ወይ ንሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ከይተኸፍለካ እትሰርሖ ስራሕ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ናይ ወለንተኛ ኣበል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ ከምኡ እውን ንወለንታዊ ስራሕ ዝወሃብ ኣበል ትረክብ ዲኻ? ስለዚ እትረኽቦ ማሕበራዊ ጥቕሚ ክጎድል ይኽእል እዩ።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?