ብመንገዲ RefugeeWork ስራሕ ምርካብ
ብመንገዲ RefugeeWork ኣቢልካ ብቋንቋኻ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ RefugeeWork፡ ብ11 ቋንቋታት ዝተተርጎሙ ክፉታት ናይ ስራሕ ቦታ ክትረክብ ኢኻ። ብኸምኡ መንገዲ ድማ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዘሎ ብቛንቋኻ ከተንብብን፣ ከምኡ እውን ክትሰርሕ ከም እትደልይ ንኣስራሕቲ ክትሕብርን ትኽእል።
ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቋንቋ
ኣስራሕቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝደልዩሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክፍቲ ናይ ስራሕ ምልክታ ይልጥፉ። ክፍቲ ናይ ስራሕ ምልክታ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከምዘሎ ዝገልጽ መወዓውዒ እዩ። ከምዚ ዓይነት መወዓውዒ ነቲ ስራሕ ክትሰርሕ ክትክእል እንታይ ዓይነት ተመኩሮን ፍልጠትን ከምዘድልየካ እውን ይገልጽ።
ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ብዙሓት ክፍቲ ናይ ስራሕ ምልክታታት ብቋንቋ ሆላንድ ጥራይ እዮም ዝልጠፉ። እዚ ነቶም ገና ቋንቋ ሆላንድ ዘይፈልጡ ሰባት ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ነቶም ኣብቲ እዋን ቋንቋ ሆላንድ ዝመሃሩ ሰባት። RefugeeWork ነቶም ክፍቲ ናይ ስራሕ ምልክታታት ብምትርጓም ሰባት ክፍቲ ናይ ስራሕ ምልክታታት ብቐሊሉ ምላሽ ክህቡ ተስፋ ኣለዎ።
ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ምእታው
ክትሰርሕ እንተደሊኻ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RefugeeWork ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። መን ምዃንካ ክትመልእ ኣለካ። ን RefugeeWork ዝኸውን ሲቪ እውን ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። ሲቪ፣ ውልቃዊ ሓበሬታኻ፡ ትምህርትኻን ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ዘጠቓልል ገጽ እዩ። ሽዕኡ ምስቲ ዝሰማማዓካ ስራሕ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።
ዩክሬናዊ Emre Ozturk ድሮኳ ብመንገዲ RefugeeWork ስራሕ ረኺቡ ኣሎ: undefinedእቲ መርበብ ሓበሬታ ብኣዝዩ ቀሊል መንገዲ እዩ ዝሰርሕundefined ይብል። undefinedእቲ ቅጥዒ መሊአ ብመንገዲ እቲ መድረኽ ምስ ሓያሎ ስራሓት ክራኸብ ክኢለ እየ። ምግቢ ምብሳል እፈቱ፡ ኣብ ሮተርዳም ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ንዝረኸብክዎ ስራሕ መልሲ ሂበ ነይረ። ድሕሪ 1 መዓልቲ ጥራይ ስራሕ ክጅምር ክኢለ።undefined
ኣብዛ ቪድዮ፣ RefugeeWork ብኸመይ ከም ዝጀመረ ክትዕዘቡ ኢኹም።
እዚ ትሕዝቶ ብሳልሳይ ኣካል (www.youtube.com) ዝእንገድ እዩ። ኩኪስ ምቕባል ስለ ዝነጸግካ ኣብ ክንዲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታና ኣተሓሒዝና ነቕርቦ፣ ምስ ዩቱብ ባዕሉ ጥራይ ኢና ከነተኣሳስረካ እንኽእል። YouTube.com
ንግስቲ ማክሲማ ናይ ስራሕ መድረኽ RefugeeWork ኣበጊሳ