ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ኣብ ልዕሊኣ ናይ RefugeeHelp መእተዊ ስክሪን ዘለዋ ተሌፎን

ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝዓለመ መርበብ-ሓበሬታ።

ዝተሓትመሉ ኣብ: 21/12/2022 3:01 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

RefugeeHelp ንኹሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝኸውን መርበብ ሓበሬታ እዩ። ረቡዕ 21 ታሕሳስ፡ ናይ መጀመርታ ስሪት ናይቲ ሓድሽ RefugeeHelp ኣብ ኢንተርነት ዕላዊ ተገይሩ። ክሳብ ሕጂ እቲ መርበብ-ሓበሬታ ነቶም ካብ ዩክሬን ዝመጹ ስደተኛታት ጥራይ እዩ ኣገልግሎት ዝህብ ነይሩ። ብድሕሪ መጋረጃ፡ እቲ መርበብ-ሓበሬታ ንሓተትቲ ዑቕባን ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ንዝኾኑ ስደተኛታትን እውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምሃብ ከም ዝሰፍሕ ተገይሩ ኣሎ።

ቋንቋታት

ድሕሪ ሩስያ ንዩክሬን ምውራራ፣ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ዩክሬን ናብ ኔዘርላንድ መጺኦም። ሓበሬታ ንኽረኽቡ ብዝበለጸ ንምሕጋዞም ድማ፣ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ምስ መሻርኽቱ ብሓባር ብምዃን መርበብ-ሓበሬታ RefugeeHelp ጀሚሮም። ኣብኡ ድማ፣ ካብ ዩክሬን ዝመጹ ስደተኛታት ኣገዳሲ ሓበሬታ ብቋንቋኦም ክረኽቡ ይኽእሉ።

እቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኹሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስደተኛታት ብግቡእ ንምሕጋዝ ከም ዝሰፍሕ ተገይሩ ኣሎ። ዝሰፍሐ RefugeeHelp በዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት ይርከብ፡

  • ኔዘርላንድስ

  • እንግሊዝ

  • ዓረብ

  • ትግርኛ

  • ቱርኪ

  • ፈረንሳ

  • ፋርሲ

  • ሶማል

ብዝሒ ቋንቋታት (ላህጃታትን) ኣብ ዝመጽእ ዓመት እናሰፍሑ ክኸዱ እዮም። ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታት ዝምልከት ገጽ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ዩክሬንን ሩስያን ምቕራብ ክቕጽል እዩ።

መመላእታ

ብዝሒ ሓበሬታ እውን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ንኣብነት ኩሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም፡

  • ፋይናንሶም ንምውዳድ

  • ግዴታዊ መስርሕ ምውህሃድ

  • ስራሕ ምርካብ

RefugeeHelp ካብ Refugee First ዝብል ሓሳብ ኢና ነማዕብል ዘለና። እዚ ማለት ኩሉ ግዜ ምስ ስደተኛታትን ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝኾኑ ሰባትን ብዛዕባ መርበብ-ሓበሬታና ብዝምልከት ንዘራረብ ኣለና ማለት እዩ። ብኸምዚ ኢና እንታይ ሓበሬታ ክንውስኽ ከም ዘለና እንፈልጥ። ከምዚብምግባር ድማ ሓበሬታ ንምርካብ ብዝበለጸ ክንሕግዘኩም ተስፋ ንገብር።

ብዘይካ RefugeeHelp፣ መርበብ-ሓበሬታ ForRefugees እውን ኣሎ። ኣብ መወዳእታኡ RefugeeHelp ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ክትክኦ ድማ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?